Tag: #እዋናዊ ዛዕባታት
-
ካብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ዝተውሃበ ሓበሬታ…..

ብዛዕባ ኣብ ከተማ ዓዲ ጉደም ዝተፈጥረ ጎንፂ ህዝብና ክፈልጦ ዝግባእ ንፁር ሓበሬታ። ብዕለት 02/07/2017 ዓ/ም ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲ ጉደም ዝተፈጠረ ውሱን ጎንፂ ገለ ናይ ህዝብና ሰላም ክዝረግን ኣብ ትግራይ ህውከት ክጋደድን ዝደልዩ ኣካላትን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ገልቢጦም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ የቕርብዎ ምህላዎም ተዓዚብና ኣለና።ስለዙይ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘሎ ትግራዋይ…
-
ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ዝተዋህበ መግለፂ።

ኣብ ጥቅምቲ 2013 ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፍተ ናይ ፅንተት ኲናት ብጅግንነት መኪቱ ንፅላእቱ ኣገዲዱ ናብ ስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦ እኳ እንተምፅኦም፣ እቲ ተስፋ ዘንበረሉ ውዕል ፕሪቶሪያ ብሽርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሕመቕ ነቲ ውዕል ኸተግብሩ ሓላፍነት ዝተዋህቦም መራሕቲ ትግራይን እንተይተተግበረ ክልተ ዓመት ሓሊፍዎ፣ ህዝብና ኣብ ሰንፈለልን ቅልውላውን ወዲቑ ኣብዝነበረሉ ኩነታት፣ ሓይልታት ሰላምን…
-
ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ተገሊፁ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሶማልያ ክልል ማእኸላይ ሸበሌ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ኣዲስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ። ኣዲስ ስታንዳርድ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ሶማልያ ኣብዱልቃድር መሀመድ ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ ፥ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ድፋዓት ኣልሸባብ ዘካየዶ ናይ ሚሳኤል መጥቃዕቲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ሶማልያ ብምትሕብባር ከምዝኾነ ተገሊፁ። በቲ መጥቃዕቲ ዝበፅሐ መጠን ሞት ዘይተገለፀ እንትኾን እቶም ሚኒስትሪ ኣብ…
-
ሰላም ክዓሙቕን ዘላቒ ክኸውንን ውዕሊ ፕሪቶርያ ክትግበር ከምዝሰርሑ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሎኔል ዓብደለጢፍ ራጁ ገሊፆም።

ዝኽሪ መበል 129 ዓመት ዓወት ኲናት ዓድዋ ብዝተፈላለዩ ፅምብላት ተዓጂቡ ኣብ ከተማ ዓድዋ ተኸቢሩ። ኣብቲ በዓል ኣቦ መንበር ወድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ፣ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዙምን ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣፅብሃ ገ/ሄር ፣ ሚኒስተር ዲኤታ ባህልን ቱሪዝምን ዶ/ር እንደገና ኣበበ ከምኡ እውን ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተወከሉ ኮሎኔል ዓብደል ለጢፍ ራጂን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ መንግስቲን…
-
ካብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ።

ናይ ሽርሕን ጠቐነን ፖለቲካ ጠጠው ክብል ንፅውዕ !! ሰራዊት ትግራይን መሪሕነቱን ስምምዕነት ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ጀሚሩ ፣ እቲ ስምምዕነት ብተፈራረምቲ ወገናት ከይተሸራረፈ ክትግበር ካብ ዝነበሮም ሰናይ ድሌትን እምነትን ተበጊሶም ፤ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሽቱኡ ወቒዑ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኾይኑ ዝግፋዕን ዝሳቐን ዘሎ ህዝብና ነፃ ክወፅእ ፤ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣትና ናብ ቦትኡ ክምለስ ፤ ከምኡ…
-
ብመርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ኢንተለጀንስን ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክን (OMN) መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ ብዝብል ንዘውፅእዎ ሓበሬታ ህወሓት ሓሶት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

ብመርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ኢንተለጀንስን ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክን (OMN) መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ ብዝብል ንዘውፅእዎ ሓበሬታ ህወሓት ሓሶት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ። መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ኢንተለጀንስ ብዕለት 16.6.2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ ዜና ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ኣብ መወዳአታ ጥሪ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢስያስ ኣፍወርቂ ከምዝተራኸቡ ብምግላፅ ብዕለት 6 የካቲት ናብ መቐለ ዑደት…
-
ንመናእሰይ ትግራይ ዝቐረበ ለበዋ….

ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ፣ ብመጀመርታ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብፃሕኻ፥ ምሕፅንታ ንመንእሰይ ትግራይ፥ ብልፅግናን ህግደፍን ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ብዘካየድዎ፣ ዕላምኡ ዘርኢ ምጥፋእ ዝገበረ ኲናት፣ ንብረትካ ዘሪፎም፣ ፋብሪካታት ኣባዲሞም፣ ኣሓትካን ኣዴታትካን ደፊሮም ኮታስ ሰፍ ዘይብል ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ ገዲፎምልካ ከይዶም እዮም። ብምዃኑ’ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከቢድ ስራሕ ስእነትን ንሱ ዝወለዶ ከርፋሕ ናብራን ተስፋ ምቁራፅን ከም ትርከብ ኩልና…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ኣብ ኣዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለፂ።

ዘይዛሪ ፀለመ ንምንታይ?!ሰራዊት ትግራይ ምእንቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቡ፣ ምእንቲ ብሄራዊ ረብሕኡን ክብሪ ዓዱን ክብል ክባር ናይ ሂወት ዋጋ እናኸፈለ ዝመፀን ዘሎን ፣ ህዝባዊ ባህሪኡ ንዋጋ ዕዳጋ ዘየቕርብ ፤ ዋልታ ህዝቡ ኮይኑ ኣብ ዘይሕለል መኸተ ዝርከብ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ ። ይኹንምበር ብዘይፍላጥ ዝሕወስ የለን እኳ እንተዘይተባህለ፤ እቲ ዝበዝሕ ኮነ ተባሂሉ ናይ ፀጥታ ሓይልናን ኣመራርሕኡን ካብ ህዝቢ…
-
ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሚድያ ማእኸል ከም ዝኸፈተት ተገሊፁ።

ሩስያ ኣብ ኣፍሪካ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ተሳትፎኣ ንምስፋሕ ናይ መጀመርያ ብዓል ብዙሕ ክፋላት ናይ ሚድያ ማእኸል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸፈተት ተገሊፁ። ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ሩስያ ዝኾነ ናይ ዜና ማዕኸን ሚድያ ስፑትኒክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኸፍቶ ሓዱሽ ማእኸሉ ብቋንቋታት ኣማርኛ፣ ኢንግሊዝኛን፥ ብሬድዮ፣ ብማሕበራዊ ሚድያን ብመርበብ ሓበሬታን ሓዊሱ ብካልኦት ዝተፈላለዩ ኣማርፅታት ብዙሓት ትሕዝቶታት ከምዘዳሉ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ…
-
ኣሜሪካ 7.4 ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ኣፅዋር ኲናት ንእስራኤል ክትሸጥ ከምዝወሰነት ተገሊፁ።

ኣስታት 7.4 ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ኣፅዋር ኲናት ናብ እስራኤል ንክሽወጥ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ናይ መሸጣ ውዕሊ ከምዘፅደቐ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣረጋጊፆም። ካብዚ እቲ ናይ 6.75 ቢልዮን ዶላር ኣፅዋር ቦይንግ ኩባንያ ዘቕርቦ እንትኸውን መምረቲ ኣፅዋራት ኲናት ዝኾነ ሎክሄድ ማርቲን ዝተብሃለ ኩባንያ ድማ ናይ ኣስታት 660 ሚልዮን ዶላር ዝግመቱ “ሄልፊር” ሚሳኤላት ከምዘቕርብ ሮይተርስ ፀብፂቡ። ምስዚ ብዝተትሓሓዘ…

