Tag: #ሶማልያ
-
ቻይና ሶማልያ ኣንፃር ዕጡቓት ኣልሸባብ እተካይዶ ኣብ ዘላ ኲናት ናይ ኣፅዋር ድጋፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተገሊፁ።

ቻይና ንሶማሊያ ወታሃደራዊ ድጋፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተሓቢሩ። ቻይና ሶማልያ ኣንፃር ዕጡቓት ኣልሸባብ እተካይዶ ኣብ ዘላ ኲናት ናይ ኣፅዋር ድጋፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተገሊፁ። ድጋፍ ቻይና ካብ ድጋፍ ኣፅዋር ብዝዘለለ ወታሃድራዊ ስልጠናን ምትሕብባር ፀጥታን ዘካትት ሙዃኑ እውን መርበብ ሓበሬታ ዘ-ኮንቨርዜሽን ዘውፀኦ ሰፊሕ ትንታነ የመላኽት። እዚ ድማ ቻይና ቅድም ክብል ኣብ ጉዳይ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝነበራ…
-
ፑንትላንድ ኣብ ቤትዕዮታት ፀጥታን ትምህርትን ሓደሽቲ ሸመታት ኣፅዲቓ።

ፑንትላንድ ኣብ ቤትዕዮታት ፀጥታን ትምህርትን ሓደሽቲ ሸመታት ኣፅዲቓ። ፕረዚደንት ክፋል ልኣላዊት ክልል ፑንትላንድ ሰይድ ኣብዱላሂ ደኒ ሓደሽቲ ሽመታት ከምዝሃቡ ተገሊፁ። ሆርስድ ሚድያ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ከምዝፀብፀቦ ፕረዚዳንት ፑንትላን ኣብ ቤተዕዮታት ትምህርቲን ፕረዚዳንታዊ ሓይሊ ፀጥታን ሓደሽቲ ሽመታት ከምዝሃቡ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ሌተናንት ጀነራል ሰይድ ኑር ሽሬ ኣዛዚ ፕሬዚደንታዊ ሓይልታት ፀጥታ ፑንትላንድ ኮይኖም ተሸይሞም። ቅድም ክብል…
-
ኢመራት ዓረብ ሰራዊታ ከብ ሶማልያ ተውፅእ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ሶማልያ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝነበራ ስምምዕነት ምቁራፃ ስዒቡ ኢማራት ዓረብ ሰራዊታ ካብ ቦሳሶ ተውፅእ ኣላ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ንሕንሕ እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኢማራት ካብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሶማልያ ወተሃደራዊ ናውትን ኣባላታን እናውፀአት ከም ትርከብ ተገሊፁ። ከም ፀብፃብ ሚድል ኢስት ኣይ ኣብ ግዝኣት ሶማልያ ዝኾነት ፑንትላንድ…
-
ብዘይካ ኣሜሪካ ኩለን ኣባል ሃገራት ቤትምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኣፍልጦ ሃገርነት ሶማሊላንድ ተቓዊመን።

ምክትል ቀዋሚ ወኪል ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ታሚ ብሩስ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሶማሊላንድ ዝኾነ ለውጢ ከምዘየለ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብግልጺ ኣፍሊጠን። ኣሜሪካ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ብዝምልከት ኣብ ኒውዮርክ ንዝርከብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ኣምባሳደር ታሚ ብሩስ “ኣብ ፖሊሲ ኣሜሪካ ዝኾነ ለውጢ የለን ብምባል መርገጺ ዋሽንግተን ገሊጻ። እተን ኣምባሳደር መርገጺ…
-
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘካተተ ዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ኣጊዱ።

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ጉዕዞ ከይገብሩ ኣጊዶም። ካብተን ብትእዛዝ ትራምፕ እግድ ዝተገበረለን 3 ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ማለት እውን ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ከምተዘርዘራ ተገሊፁ። ካብዚ ብተወሳኺ ሃገራት ሊብያ፣ ቻድ፣ ኮንጎ፣ ኢኳቶሪያል ጊኒ፣ የመን፣ ሀይቲ፣ ኢራን፣ ማይናማርን ኣፍጋኒስታንን እውን ካብተን እግድ ዝተገበረለን ሃገራት ሙዃነን ተሓቢሩ። እቲ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ጉዕዞ እገዳ ሙሉእ…
-
ሶማሊያ ወደባታን መዕርፎ ነፈርታን ኣሜሪካ ብብሕታውነት ክትቆፃፀሮም ዘኽእል ሓሳብ ኣቅሪባ።

ሶማሊያ ስትራተጂካዊ ወደባታ፣ መዕርፎ ነፈርታን ወተሃድራዊ ሰፈራትን ኣሜሪካ ብብትሕታውነት ንክትቆፃፀር ሓሳብ ከምዘቕረበት ሮይተርስ ፀብፂቡ። ሮይተርስ ከምዝፀብፀቦ ፕረዚዳንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ ሙሓሙድ ናብ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብዝፃሓፍዎ ደብዳበ ኣሜሪካ ብብሕታውነት ክትቆፃፀሮም እትኽእል ኣማራፅታት ወደብን ወትሃድራዊ ሰፈርን ከምዘቕረበት ተገሊፁ። ፕረዚዳንት ሃሰን ሼክ መሓሙድ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ ኣሜሪካ ክትቆፃሮም ካብ ዘቕረቦም ወደባት ቦሊዶግሉ፣ በርበራ ከምኡ ‘ውን…
-
ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ተገሊፁ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሶማልያ ክልል ማእኸላይ ሸበሌ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ኣዲስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ። ኣዲስ ስታንዳርድ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ሶማልያ ኣብዱልቃድር መሀመድ ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ ፥ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ድፋዓት ኣልሸባብ ዘካየዶ ናይ ሚሳኤል መጥቃዕቲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ሶማልያ ብምትሕብባር ከምዝኾነ ተገሊፁ። በቲ መጥቃዕቲ ዝበፅሐ መጠን ሞት ዘይተገለፀ እንትኾን እቶም ሚኒስትሪ ኣብ…
-
ኢትዮጵያን ቱርክን ስምምዕነት ኣንካራ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ዝካየድ ናይ ቴክኒክ ድርድር ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቲዎስ ብምክትል ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትር ቱርኪ ቡርሃንቲን ዱራን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተገሊፁ። እቶም ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ ዝርያ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕነት ኣንካራ ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ። ዶ/ር ጌድዮን ምስ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ስምምዕነት ኣንካራ ተግባራዊ ንክግበር ኣብ…

