ቻይና ንሶማሊያ ወታሃደራዊ ድጋፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተሓቢሩ።
ቻይና ሶማልያ ኣንፃር ዕጡቓት ኣልሸባብ እተካይዶ ኣብ ዘላ ኲናት ናይ ኣፅዋር ድጋፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተገሊፁ። ድጋፍ ቻይና ካብ ድጋፍ ኣፅዋር ብዝዘለለ ወታሃድራዊ ስልጠናን ምትሕብባር ፀጥታን ዘካትት ሙዃኑ እውን መርበብ ሓበሬታ ዘ-ኮንቨርዜሽን ዘውፀኦ ሰፊሕ ትንታነ የመላኽት።
እዚ ድማ ቻይና ቅድም ክብል ኣብ ጉዳይ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝነበራ መትከልን ከምኡ’ውን ብሰፊሑ ኣብ ናይ ወፃኢ ጉዳይ ፖሊሲኣን ዓብዪ ለውጢ ከምዝገበረት ዘመላኽት እዩ። እዚ ድማ ቻይና ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሶማልያ ዝምልከት ትወስዶ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ክልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ከምዘለውዎ ካብቲ ሓተታ ምርዳእ ይከኣል።
እቲ ሓደ ቀንዲ ምኽንያት ቻይና ንሶማልያ ክትድግፍ ዝተገደደትሉ ምኽንያት ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓ እዩ። እዚ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓ ድማ ቻይና ንነዊሕ እዋን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝጠበቐ ርክብ ክህልዋ እናፀዓረትሉ ዝፀንሐት ጉዳይ እዩ። ብፍላይ ድማ ቀርኒ ኣፍሪካ ንቀይሕ ባሕሪ ፣ ውቅያኖስ ህንዲን ባሕሪ ሜዲትራንያን መተሓላለፊ ብምዃኑ ኣዝዩ ዝለዓለ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓ ዘለዎ ቀጠና እዩ። ቻይና ድማ ኣበዚ ቀጠና ቁፅፅር ክህልዋ ከምእትደሊ ዝፍለጥ እዩ። ነዚ እያ ድማ ቻይና ኣብዚ ሐዚ እዋን ወታሃድራዊ ድጋፍ ብምግባር ምስ ሶማልያ ጥንክር ዝበለ ርክብ ክህልዋ እናሰርሐት ዘላ።
ቻይና ምስ ሶማልያ ብእትፈጥሮ ርክብ ኣቢላ ድማ ኣብ ፀጥታዊ ምንቅስቓስ ብምስታፍ ኣብዚ ዞባ ፓለቲካዊ ፅልዋኣ ንምስፋሕ ከምዝሓሰበት ካብቲ ትንታነ ዘኮንቨርዜሽን ምርዳእ ይከኣል።
ቻይና ኣብ ጁቡቲ ወታሃድራዊ ማዓስከር ዘለዋ እንትኾን ኣብ ኢትዮጵያ እውን ሰፋሕቲ ናይ መሰረተ ልምዓታት ኢንቨስትመን ከምዘለውዋ ዝፍለጥ እዩ። ካብዚ ብምጋስ ድማ ምስ ሃገራት ዩጋንዳ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን እውን ርክባ ንምጥንኻር ትንቀሳቐስ ከምዘላ የመላኽት።
እቲ ፍሉይን ካልኣይን ቻይና ንሶማልያ ክትድገፍ ዝተገደድትሉ ምኽንያት ድማ ጉዳይ ታይዋን እዩ። ኣብ 1991 ካብ ሶማልያ ተገንፂላ ነፃ ሃገር ምዃና ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዲፕሎማሲኣ ብምጥንኻር ክሳብ ብእስራኤል ኣፍልጦ ሀገርነት ንምርካብ ዝበፅሐት እንትኾን እዚ ድማ ምስ ጉዳይ ታይዋን ዝተኣሳሰር እዩ። ታይዋን እውን ዋላ እኳ ነፃ ሃገር አየ ኢላ እንተዘይኣወጀት ብሰንኪ ፅዕንቶ ቻይና ማለት እዩ፤ ግን ድማ ካብ 1949 ጀሚራ ዲፋክቶ ስቴት ማለት’ውን ልኣላዊት ግዝኣት ምዃና ብምግላፅ ናይ ባዕላ መንግስቲ፣ ሰራዊት ምክልኻልን ናይ ወፃኢ ርክባትን ዘለዋ ዓዲ እያ።
ታይዋን ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ቻይና ዘለዋ ርክብ መንግስቲ ምስ መንግስቲ እንትኾን ቻይና ግን ሐዚ እውን ንታይዋን ከምግዛኣታ ብምቑፃር “ሓንቲ ቻይና” ናይ ምፍጣር ፖሊሲኣ ኣይሓደገትን። ታይዋን ብግድኣ ሃገርነት ከይኣወጀት እቲ ሐዚ ዘላቶ ማለት እውን ልኣላዊት ግዝኣት ኮይና ምቕፃል እዩ።
ታይዋን ሃገርነት ንከይትእውጅ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሓያልነት ቻይና እዩ። ቻይና ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዘለዋ ንድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰልን፤ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብዘለዋ ፖለቲካውን ቁጠባውን ፅልዋ ኣቢላ ታይዋን ሃገርነት ኣዊጃ ኣፍልጦ ንከይትረክብ ካብ ምግባር ክሳብ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ዝበፅሕ ሓደጋ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ሰለ ዘለዋ፡ ታይዋን ካብቲ ሐዚ ዘላቶ ቁመና ዝሳገር ነገር ከይትፈጥር ገይርዋ እዩ።
ኣብዚ ድማ ቻይና ንሶማልያ ክትድገፍ ዘተገደደትሉ ምኽንያት ድማ ታይዋን ምስ ሶማሊላንድ ዝጠበቐ ዝምድና ስለዘለዋ እዩ። ታይዋን ካብ 2020 ጀሚራ ምስ ሶማሊላንድ ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ቴክኖሎጂን ሕርሻን ኢነርጂን ዝለዓለ ምትሕብባር ከምዘለወን ዝፍለጥ እዩ። ብዚ ድማ ክልቲአን ኣፍልጦ ዘይተውሃበን ዓድታት ተወከልቲ ብምልውዋጥ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ስሩዕ ዲፕሎማስያዊ ርክባት መስሪተን እየን።
እዚ ድማ ሶማሊላንድ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ እናረኸበት ብዝኸደት ቁፅሪ ኣብ ልዕሊ ታይዋን እውን ፅልዋ ዝፈጥር ብምዃኑ ቻይና ንጉዕዞ ሶማሊላንድ ብቀረባ ንምክትታል ዝዓለመ እዩ።
ብፍላይ ድማ ሶማሊላንድ ካብ እስራኤል ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ምርካባ ስዒቡ ከምእን ኣሜሪካ ዝበላ ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ዝኽእላሉ ዝንባለ ስለዘሎ ቻይና ንግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ብምድጋፍ ንጉዕዞ ሃገርነት ሶማሊላንድ ንምዕጋት ዝዓለሙ ምንቅስቓስ እናገበረት ትርከብ።
እምኣርከስ ቻይና ንሶማልያ እተቕርቦ ድጋፍ ክሳብ መዓዝ ይቕፅል ይኾን? ምትእትታው ቻይናኸ ኣብ ተስፋ ሃገርነት ሶማሊላንድ እንታይ ዓይነት ሓደጋ ይፈጥር ዝብሉ ትፅቢት ዝግበረሎም ሕቶታት እዮም።



Leave a Reply