Tag: #ቻይና
-
ቻይና ኣብ ኲናት ሕድሕድ ንዘላ ሱዳን 50 ሚልዮን ዕዳ ሰሪዛትላ።

ሱዳንን ቻይናን 344 ዩዋን ወይ ድማ 50 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ መጠን ዘለዎ ካብ ወለድ ነፃ ልቓሕ ንምስራዝ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሓ ተገሊፁ። ቻይና ነዚ ልቓሕ ዝሰረዘትሉ ምኽንያት ድማ ብኲናት ሕድሕድ ዝተዳኸመ ቁጠባ ሱዳን ብዝተወሰነ መልክዑ እንተኾነ እውን እፎይታ ክረክብ ንምግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ። እዚ ስምምዕነት ብዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ/ም ሚኒስትሪ ገንዘብ ሱዳን ጅብሪል ኢብራሂምን ንቻይና…
-
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 3ተ ናይ ንግዲ ሳተላይታት ቻይና እገዳ ከምዘንበረት ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 3ተ ናይ ንግዲ ሳተላይታት ቻይና እገዳ ከምዘንበረት ተሓቢሩ። ኣሜሪካ ንኢራን ድጋፍ ሂበን እየን ኣብ ልዕሊ ዝበለተን 3 ናይ ንግዲ ሳተላይታት ቻይና እገዳ ከምዘንበረት መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ፀብፂቡ። መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ (Department of the state) ጠቒሱ ከምዝሓበሮ ኣሜሪካ እገዳ ኣንቢራትለን ዘላ 3ቲአን ሳተላይታት ቻይና ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ…
-
ቻይና ሶማልያ ኣንፃር ዕጡቓት ኣልሸባብ እተካይዶ ኣብ ዘላ ኲናት ናይ ኣፅዋር ድጋፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተገሊፁ።

ቻይና ንሶማሊያ ወታሃደራዊ ድጋፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተሓቢሩ። ቻይና ሶማልያ ኣንፃር ዕጡቓት ኣልሸባብ እተካይዶ ኣብ ዘላ ኲናት ናይ ኣፅዋር ድጋፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተገሊፁ። ድጋፍ ቻይና ካብ ድጋፍ ኣፅዋር ብዝዘለለ ወታሃድራዊ ስልጠናን ምትሕብባር ፀጥታን ዘካትት ሙዃኑ እውን መርበብ ሓበሬታ ዘ-ኮንቨርዜሽን ዘውፀኦ ሰፊሕ ትንታነ የመላኽት። እዚ ድማ ቻይና ቅድም ክብል ኣብ ጉዳይ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝነበራ…
-
ቻይና ክብደት ሰውነቶም ትሕቲ 50 ኪሎ ግራም ዝኾኑ ዜጋታታ ካብ መንበሪ ገዝኦም ከይወፅኡ ኣታሓሳሲባ።

ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ቻይና ዝናብ ዝተሓወሶ ኣውሎ ንፋስ ምኽሳቱ ስዒቡ መንግስቲ ቻይና ክብደት ሰውነቶም ትሕቲ 50 ኪሎ ግራም ዝኾኑ ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ከይወፅኡ ከምዘተሓሳሰበ ተገሊፁ። እቲ ሓያል ንፋስ ካብ ናይ ቻይና ደቡባዊ ዶብ ሞንጎልያ ከም ዝተበገሰ ዝተገለፅ እንትኾን ኣብ ሓደ ስዓት 150 ኪሎሜተር ብምሽፍን ንከተማታት ቤጂንግ ፣ ቲያንጂንን ሄበይን ሓዊሱ ሰሜናዊ ክፋል ቻይና እናጥቀዐ…

