ቻይና ኣብ ኲናት ሕድሕድ ንዘላ ሱዳን 50 ሚልዮን ዕዳ ሰሪዛትላ።

ሱዳንን ቻይናን 344 ዩዋን ወይ ድማ 50 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ መጠን ዘለዎ ካብ ወለድ ነፃ ልቓሕ ንምስራዝ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሓ ተገሊፁ። ቻይና ነዚ ልቓሕ ዝሰረዘትሉ ምኽንያት ድማ ብኲናት ሕድሕድ ዝተዳኸመ ቁጠባ ሱዳን ብዝተወሰነ መልክዑ እንተኾነ እውን እፎይታ ክረክብ ንምግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ።

እዚ ስምምዕነት ብዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ/ም ሚኒስትሪ ገንዘብ ሱዳን ጅብሪል ኢብራሂምን ንቻይና ወኪሉ ዝተረኸበ ፈፃሚ ጉዳይ ሺ ጂያንን፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ከምዝተፈራረሙ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ እዩ። ሱዳን እዚ ስምምዕነት እዚ ተፈራሪማቶ ዘላ ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍን ሰራዊት ሱዳንን ሳልሳይ ዓመት መሊእዎ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ እናካየደት ኣብዘላትሉ እዋን እዩ። ፀብፃባት ከምዝሕብርዎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ቁጠባ እታ ሃገር ኣድቂቑ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት እታ ሃገር ንሞት፣ ምፍንቓልን ስደትን ኣቃሊዑ ከምዘሎ እዮም ዘመላኽቱ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ብክልቲኡ ግንባር ኢደን ከምዘእተዋሉ ዝንገረሉ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዋላ እኳ ብኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ንመብዛሕትኡ ግዝኣታት እታ ሃገር እንተተቖፃፀረ ዛጊድ ግን ብዘይ ዕልባት እናቐፀለ እዩ ዝርከብ። ኲናት ሱዳን ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ዶባት ደቡባዊ ኢትዮጵያ ገፁ እናተፀግዐ ዘሎ እንትኾን ሐዚ እውን ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄሚቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ ኣብ ከባብታት ብሉ ናይልን ሰሜን ኮሮዶፋንን እናተዋግኡ ከምዘለው እዩ ዝግለፅ።

ብውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣሜሪካን ኣፍሪካ ሕብረትን ናይ ሽምግልና ምንቅስቓስ ምግባሮም እውን ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ግን ድማ ዛጊድ ዘምፅእዎ ፍታሕ የለን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ጠቕላላ ናይ ወፃኢ ልቓሕ ሱዳን ኣስታት 56 ቢልዮን ዶላር ዝነበረ ኮይኑ፣ ቻይና 50 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ምስራዛ ስዒቡ ግን ብሓደ ሚኢታዊ ንክቕንስ ከምዝሕግዝ ፀብፃብ ኣልጀዚራ የመላኽት።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading