Tag: #ሓይልታት-ወሃብቲ-ደገፍ-RSF
-
ቻይና ኣብ ኲናት ሕድሕድ ንዘላ ሱዳን 50 ሚልዮን ዕዳ ሰሪዛትላ።

ሱዳንን ቻይናን 344 ዩዋን ወይ ድማ 50 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ መጠን ዘለዎ ካብ ወለድ ነፃ ልቓሕ ንምስራዝ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሓ ተገሊፁ። ቻይና ነዚ ልቓሕ ዝሰረዘትሉ ምኽንያት ድማ ብኲናት ሕድሕድ ዝተዳኸመ ቁጠባ ሱዳን ብዝተወሰነ መልክዑ እንተኾነ እውን እፎይታ ክረክብ ንምግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ። እዚ ስምምዕነት ብዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ/ም ሚኒስትሪ ገንዘብ ሱዳን ጅብሪል ኢብራሂምን ንቻይና…
-
ግብፂ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብቀጥታ ትሳተፍ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ግብፂ ኣብ ምዕራባዊ በረኻ ዝሃነፀቶ ወተሃድራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ተጠቒማ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብቀጥታ ምስታፍ ከምዝጀመረት ኒውዮርክ ታይምስ ብምርመራ ከምዘረጋገፀ ዕላዊ ገይሩ። ኒውዮርክ ታይምስ ናይ ሳተላይት ምስልታት ተጠቒሙ ፣ናይ በረራ መረዳእታታትን ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት ብምፅራሕ ከምዝፀብፀቦ ሰራዊት ግብፂ ኣብ ዝሓለፉ 6ተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ብመሓመድ ሃምዳን ዳጋሎ (ሄሚቲ) ዝምርሑ ዕጡቓት ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ ደብዳብ ድሮን…
-
ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል ዘቕረበቶ ሓሳብ ሰራዊት ሱዳን ውድቂ ከምዝገበሮ ተገሊፁ።

ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል ዘቕረበቶ ሓሳብ ሰራዊት ሱዳን ውድቂ ከምዝገበሮ ተገሊፁ። ሰራዊት ሱዳን ንፕሮፖዛል ኣሜሪካ ውድቂ ዝገበሮ ብጀነራል ኣብደልፋታህ ኣልብርሃን ዝምራሕ ቤትምኽሪ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ህልዊ ኩነታት እታ ሃገር ንምዝታይ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ከምዝኾነ ድማ ማዕኸን ዜና ሚድል ኢስት ሞኒተር ፀብፂቡ እዩ። ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ብሰላማዊ ኣገባብ…
-
ዶ.ር ቴድሮስ አድሓኖም ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ኣብ ሳውዲ ሆስፒታል ከምዝፈፀምዎ ብዝተሓበረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 460 ሰባት ሙማቶም ከምዘደንገፆም ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ኣብ ሳውዲ ሆስፒታል ከምዝፈፀምዎ ብዝተሓበረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 460 ሰባት ሙማቶም ከምዘደንገፆም ገሊፆም። ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሃሚቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ንከተማ ኣል-ፋሽር ድሕሪ ምቁፅፃሮም ሳውዲ ናብ ዝተብሃለ ሆስፒታል እታ ከተማ ብምእታው ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ ዋና ዳይሬክተር…

