ዶ.ር ቴድሮስ አድሓኖም ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ኣብ ሳውዲ ሆስፒታል ከምዝፈፀምዎ ብዝተሓበረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 460 ሰባት ሙማቶም ከምዘደንገፆም ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ኣብ ሳውዲ ሆስፒታል ከምዝፈፀምዎ ብዝተሓበረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 460 ሰባት ሙማቶም ከምዘደንገፆም ገሊፆም።

ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሃሚቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ንከተማ ኣል-ፋሽር ድሕሪ ምቁፅፃሮም ሳውዲ ናብ ዝተብሃለ ሆስፒታል እታ ከተማ ብምእታው ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም እዚ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዘደንገፆም ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ ዶክተር ቴድሮስ ነዚ ምግላፆም ምትእስሳር ሓካይም ሱዳን (Sudan Doctors Network) ዝተብሃለ ውዳበ ብዕለተ ሰሉስ ዕጡቓት ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ (RSF) ድሕሪ ናብ ሳውዲ ሆስፒታል ምእታዎም ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ተሓከምቲን ቤተሰቦምን ንኹሎም ብዘይ ርህራሄ ከምዝቐተሉዎም ኣፍሊጡ እዩ። እቲ ውዳበ ወሲኹ ከምዝገለፆ ድማ ኣብቲ ሆስፒታል እናሰርሑ ዝነበሩ 6 ሰብ ምያ ጥዕና ማለት እውን ኣርባዕተ ዶክተራትን ሓንቲ ነርስን ሓደ ፋርማሲስትን ዓጊቶም ንመልቀቒ 150,000 ዶላር ኣሜሪካ ከምዝሓተቱ ቢቢሲ ን Sudan Doctors Nerwork ጠቒሱ ፀብፂቡ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ El-fasher Resistance committee ዝተብሃለ ኣብቲ ኸባቢ ናይ ዝንቀሳቐሱ ነጠፍቲ ውዳበ ዘውፅእዎ መግለፂ ጠቒሱ ቢቢሲ ከምዝፀብፀቦ ድማ “ድሕሪ እቲ መቐተልቲ ኣል-ፋሽር ከተማ ብመፍርሒ ፅምዋ ተዋሒጣ ኣላ” ምባሎም ሓቢሩ እዩ።

ብ ዓረብ ኢሚሬት ከምድገፍ ዝንገረሎም ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ (RSF) ንከተማ ኣል-ፋሽር ልዕሊ 18 ኣዋርሕ ኣብ ክባ ኣእቲዩ እናደብደባ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ከምዘውዓላ ይዝከር። ካብዚ ብተወሳኺ እናተጋደደ ኣብ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሱዳናውያን ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ እንትኾን ሐዚ እውን እቲ ጎንፂ እናተጋደደ ይቐፅል ኣብ ዘለሉ ኩነታት ካብ ፅንተትንምምላጥ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተሰደዱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ እውን ኣብ ሱዳን ከምዘለው ይፍለጥ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading