Tag: #ሱዳን
-
ግብፂ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብፅን ኣብፂሕዎ እዩ ንዝበሎቶ ጉድኣት ኢትዮጵያ ክትክሕሰን ሓቲታ።

ግብፂ ንጉዳይ ህዳሴ ግድብ ኣመልኪታ እትጥቀመሎም ዝነበረት መከራኸርታት ብምቕያር እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ሱዳንን ኣብፂሕዎ እዩ ንዝበለቶ ጉድኣት ካብ ኢትዮጵያ ካሕሳ ንክወሃበን ሓቲታ። ሚኒስትሪ ሃፍቲ ማይን መስኖን ግብፂ ዝኾኑ ሀኒ ስዊለም ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብፂ ቀሪቦም ከም ዝተዛረብዎ ኣብ ሩባ ኣባይ ከም ግድብ ህዳሴ ዝበሉ ዓበይቲ ህንፀታት ብበየናዊ ኣገባብ…
-
መቐመጢኡ ኣብ ፖርት ሱዳን ገይሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ተመሊሱ።

መቐመጢኡ ኣብ ፖርት ሱዳን ገይሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ተመሊሱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ናይ “ተስፋ መንግስቲ” ብዕሊ ናብ ካርቱም ተመሊሱ ኣሎ ክብሉ ዝገለፁ እንትኾን ነቶም ብኲናት ዝተሃስዩ ሰዳናውያን ዝተመሓየሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ፃዕርታት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ብሰራዊት እታ ሃገር ዝምራሕ…
-
ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባታት ኮርዶፋንን ዳርፉርን መጥቃዕታቱ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።

ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባታት ኮርዶፋንን ዳርፉርን መጥቃዕታቱ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻባት ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ኮርዶፋንን ዳርፉርን መጥቃዕትታቱ ብምዝያድ፡ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣብ ምቁጽጻር ይርከብ። እቲ ሰራዊት፡ ትማል ንስትራተጂካዊት ከተማ ሰሜን ኮርዶፋን ዝኮነት ባብኖዉዛ (Babnousa) ክቆጻጸር ከሎ፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝኸሰረት ከተማታት ከማልስ ዉን፡ ኣብ ሓያል ዉግእ ኣትዩ ይርከብ።…
-
ግብፂ ኣብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋዕን ንክሰፍንን ግዝኣታዊ ሓድነት ሱዳን ንክረጋገፅን ከምእትድግፍ ገሊፃ።

ግብፂ ኣብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋዕን ንክሰፍንን ግዝኣታዊ ሓድነት ሱዳን ንክረጋገፅን ከምእትድግፍ ገሊፃ። እዙይ ዝተገለፀ ሚኒስትሪ ጉደያት ወፃኢ ግብፂ ባድር ኣብደላቲ ትማሊ 2 ሕዳር 2018 ዓ/ም ናብ ፖርት ሱዳን ተጓዒዞም ካብ ፕረዚዳንት ግብፂ ኣብደልፈታህ ኣልሲሲ ዝተልኣኸ መልአኽቲ ናብ ኣቦ መንበር ልኣላዊ ሽግግር መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ኣብደልፈታህ ኣልቡርሃን ኣብ ዘብፅሑሉ እዋን እዩ። እቶም ሚኒስትሪ ኣብ ፖርት ሱዳን…
-
ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል ዘቕረበቶ ሓሳብ ሰራዊት ሱዳን ውድቂ ከምዝገበሮ ተገሊፁ።

ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል ዘቕረበቶ ሓሳብ ሰራዊት ሱዳን ውድቂ ከምዝገበሮ ተገሊፁ። ሰራዊት ሱዳን ንፕሮፖዛል ኣሜሪካ ውድቂ ዝገበሮ ብጀነራል ኣብደልፋታህ ኣልብርሃን ዝምራሕ ቤትምኽሪ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ህልዊ ኩነታት እታ ሃገር ንምዝታይ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ከምዝኾነ ድማ ማዕኸን ዜና ሚድል ኢስት ሞኒተር ፀብፂቡ እዩ። ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ብሰላማዊ ኣገባብ…
-
ዶ.ር ቴድሮስ አድሓኖም ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ኣብ ሳውዲ ሆስፒታል ከምዝፈፀምዎ ብዝተሓበረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 460 ሰባት ሙማቶም ከምዘደንገፆም ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ኣብ ሳውዲ ሆስፒታል ከምዝፈፀምዎ ብዝተሓበረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 460 ሰባት ሙማቶም ከምዘደንገፆም ገሊፆም። ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሃሚቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ንከተማ ኣል-ፋሽር ድሕሪ ምቁፅፃሮም ሳውዲ ናብ ዝተብሃለ ሆስፒታል እታ ከተማ ብምእታው ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ ዋና ዳይሬክተር…

