ግብፂ ንጉዳይ ህዳሴ ግድብ ኣመልኪታ እትጥቀመሎም ዝነበረት መከራኸርታት ብምቕያር እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ሱዳንን ኣብፂሕዎ እዩ ንዝበለቶ ጉድኣት ካብ ኢትዮጵያ ካሕሳ ንክወሃበን ሓቲታ።
ሚኒስትሪ ሃፍቲ ማይን መስኖን ግብፂ ዝኾኑ ሀኒ ስዊለም ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብፂ ቀሪቦም ከም ዝተዛረብዎ ኣብ ሩባ ኣባይ ከም ግድብ ህዳሴ ዝበሉ ዓበይቲ ህንፀታት ብበየናዊ ኣገባብ ተሃኒፁ ከምዘይፈልጥ ብምግላፅ እዚ ድማ ግብፂ ካብ ሩባ ኣባይ ትረኽቦ ካብ ዝነበረት 55 ቢልዮን ሜትር ኩብ ማይ 38 ሜትር ኩብ ዝኣክል ክቕንስ ከምዝገበረ ምግላፆም ኣዲስ ስታንዳርድ ገሊፁ።
ከም ፀብፃብ ኣዲስ ስታንዳርድ እቶም ሚኒስትሪ ጠለብ ማይ ግብፂ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 85 ቢልዮን ሜትር ኩብ ወሲኹ እዩ ዝበሉ እንትኾን ግብፂ እናረኸበቶ ዘላ መጠን ማይ ግን ኣስታት 55.5 ቢልዮን ሜትር ኩብ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ነዚ ሕፅረት ንምምላእ ድማ እታ ሃገር በብዓመቱ 23.2 ቢልዮን ሜትር ኩብ ማይ መሊሳ ናብ ጥቕሚ ከም እተውዕልን ናይ ማይ መፃረዪ ጣብያታት ድማ ተወሳኺ 4.8 ቢልዮን ሚልዮን ሜትር ኩብ ከምዘበርክቱ ብምግላፅ በዚ ምኽንያት ናይ ሓደ ግብፃዊ ብፅሒት ማይ ናብ 500 ሜትር ኩብ ከምዝቐነሰን ምስ ናይ ዓለም ለኸ መዐቀኒ ንሓደ ሰብ ዝወሃቦ ማእኸላይ መጠን ብፅሒት 1000 ሜትር ኩብ እንትነፃፀር ብፍርቂ ከምዝቐነሰ ኣረዲኦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ግብፂ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ብዝተፈላለዩ መንገድታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንትቶ ብምፍጣር ድርድራት እናካየደት ምፅንሓ ዝዝከር እንትኾን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ሚኒስትሪ ጉዳያት ግብፂ ባድር ኣብደላቲ ግብፂ ድሕሪ ደጊም ምስ ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘተ ከምዘይህሉ ዝገለፁ እንትኾን ነዚ ሰዒቡ ድማ ምስ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ንኤርትራ ሓዊሱ ምስ ሱዳንን ሶማልያን ኣብ እተካይዶ ክልተኣዊ ዘተታት ኣብ ሕድሕድ መግለፅታታት ኣብ ልዕሊ ሩባ ኣባይ ዝውሰዱ በይናዊ ውሳነታት ከምእትቃወም እናገለፀት መፂኣ እያ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ ሰሙን ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ፕረዚዳንት ኣብደልፋታህ ኣልሲሲ ኣብዝፀሓፎን ቅዳሕ ናብ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ እፅቀስላሴ ከምኡ’ውን ናብ ኣቦ መንበር ልኣላዊ ቤት ምኽሪ ስግግር መንግስቲ ሱዳን ኣብደል ፋታህ ኣል ቡርሃን ፣ ናብ ወራሲ ዓራትን ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዕዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ፣ ናብ ፕረዚደንት ኢመራት ዓረብ ሼክ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያንን ኣብ ዝተልኣኸሎም ደብዳበ ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብፅን ንግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዘለወን ምስሕሓብ ንምፍታሕ ክተደራድረን ድልውቲ ከምዝኾነት ብምግላፅ ጉዳይ ኣባይ ትራምፕ ቀዳምነት ካብ ዝሃብዎም ኣጀንዳታት ሓደ ሙኳኑ ገሊፆም እዮም።
ትራምፕ ኣብ ደብዳብኦም ከምዝገለፅዎ ወሳንነት ሩባ ናይል ንግብፅን ህዝባን ከምዝርድኡ ብምግላፅ ነዚ ብዝምልከት ቅዋም ኣሜሪካ ዝኾነት ሃገር ንኽባር ሃፍቲ ሩባ ናይል ብብሕታውነት ንክትቆፃፀርን ጎረባብታ ክትጎድእ የብላን ዝብል ከምዝኾነ ዝገለፁ እንትኾን ዝኾነ ይኹን ስምምዕነት ንዘላቒ ጠለብ ማይ ሃገራት ግብፂ ሱዳንን ግብፅን ዘውሕስ ክኾነን ከምዝግባእ ምግላፆም ድማ ይዝከር።



Leave a Reply