Tag: #ኢትዮጵያ
-
ብምኽንያት ሕማም መሓመድ ቢን ዛይድ ፕረዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገብርዎ ዑደት ተናዊሑ።

ብምኽንያት ሕማም መሓመድ ቢን ዛይድ ፕረዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገብርዎ ዑደት ተናዊሑ። ኤርዶጋን ምስ ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ብተሌፎን ድሕሪ ዝገበርዎ ዝርርብ ተሊሞምዎ ዝነበሩ ዑደት ከመዝተናውሐ ተገሊፁ። ኤርዶጋን ፕረዚደንት መሓመድ ቢን ዛይድ ንዝገጠሞም ናይ ጥዕና ፀገም “ኣምላኽ ቅልጡፍ ሕውየት ይሃቦ” ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም። ኤርዶጋን…
-
“ግድብ ኣባይ ግብፃውያን ንሚልዮን ዓመታት ማይ ብዘይረኽብሉ ኣገባብ እዩ ተሰሪሑ።” ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዙርያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንክዛተዩ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚዳንት ሃገረ ግብፂ ኣብዱል ፋታህ ኣልሲሲን ከራኽቡዎም ከምዝደልዩ ተዛሪቦም። ትራምፕ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ World Economic Forum ምስ ፕረዚደንት ግብፂ ኣብደልፈ ፋታህ ኣልሲሲ ድሕሪ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ዘተ እዩ። “እዚ ግድብ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ዓበይቲ ግድባት…
-
ግብፂ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብፅን ኣብፂሕዎ እዩ ንዝበሎቶ ጉድኣት ኢትዮጵያ ክትክሕሰን ሓቲታ።

ግብፂ ንጉዳይ ህዳሴ ግድብ ኣመልኪታ እትጥቀመሎም ዝነበረት መከራኸርታት ብምቕያር እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ሱዳንን ኣብፂሕዎ እዩ ንዝበለቶ ጉድኣት ካብ ኢትዮጵያ ካሕሳ ንክወሃበን ሓቲታ። ሚኒስትሪ ሃፍቲ ማይን መስኖን ግብፂ ዝኾኑ ሀኒ ስዊለም ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብፂ ቀሪቦም ከም ዝተዛረብዎ ኣብ ሩባ ኣባይ ከም ግድብ ህዳሴ ዝበሉ ዓበይቲ ህንፀታት ብበየናዊ ኣገባብ…
-
ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ ኣሰንዳቦ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ ኣሰንዳቦ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ ኣሰንዳቦ ካብ ንግዲ በርበረ ዝእከብ ቀረፅ ብብዙሕ ዕፅፊ ከውሰኽ ተጌሩ እዩ ብምባል ነጋዶ እቲ ከባብን ነበርትን ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ይርከቡ። እቶም ሰልፈኛታት ከምዝገለፅዎ ንሓደ በርበረ ዝፅዓነ መኪና ኣብ ዝሓለፈ ይኽፈል ካብ ዝነበረ 8000 ቀረፅ ሐዚ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ መጠንቀቕታ ናብ…
-
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነዳዲ ዘቐመጦ 30% ወሰኽ ግብሪ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾን ተገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነዳዲ ዘቐመጦ 30% ወሰኽ ግብሪ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾን ተገሊፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝመፅአ ኣብ ነዳዲ ዝግበር ድጎማ ቀስ ብቀስ ብምልዓል ናብ ሓዱሽ ናይ ግብሪ መዋቕር ዘእተዎ እንትኾን እዚ ሓዱሽ ወሰኽ ግብሪ ድማ ካብ መፃኢ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾን ተሓቢሩ። እዚ ሓዱሽ ስጉምቲ ኣብ ምህርቲ ነዳዲ 15% ተወሳኺ…
-
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጽያ ከተማ ጂንካ ዘጋጠመ ሕማም መበገሲኡ ብምርመራ ከም ዘረጋገፀ ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጂንካ ዘጋጠመ ሄሞራጂክ ፌቨር (Hemirrhagic Fever) ዝተብሃለ ሕማም መልዐሊኡ ማርበርግ (Marburg Virus) ዝተብሃለ ዓይነት ቫይረስ ከም ዝኾነ ኣረጋጊፀ ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣብ ብሄራዊ ሪፈረንስ ላቦራቶሪ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ምርመራ ናሙና መሰረት እዚ ቫይረስ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት…
-
ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ሕቶ ቀዳማይ ብሄራዊ ኣጀንድኣ ከምዝገበረቶ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮማንደር ተገኝ ለታ ኣፍሊጡ።

“ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ብግፍዒ ዝሰኣንናዮ ኣፍደገ ባሕሪ ምምላሱ ኣይተርፍን” ክብል ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮማንደር ተገኝ ለታ ተዛሪቡ። ኢትየጽያ ዘቕረበቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶ ምምላስ ንኢትዮጽያ ሓዊሱ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ዝለዓለ ኣበርክቶ ከምዘለዎ እውን እቲ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ገሊፁ እዩ። ኮማንደር ተገኝ ለታ ንዚ ዝገለፀ ኣብ 8…
-
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘካተተ ዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ኣጊዱ።

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ጉዕዞ ከይገብሩ ኣጊዶም። ካብተን ብትእዛዝ ትራምፕ እግድ ዝተገበረለን 3 ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ማለት እውን ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ከምተዘርዘራ ተገሊፁ። ካብዚ ብተወሳኺ ሃገራት ሊብያ፣ ቻድ፣ ኮንጎ፣ ኢኳቶሪያል ጊኒ፣ የመን፣ ሀይቲ፣ ኢራን፣ ማይናማርን ኣፍጋኒስታንን እውን ካብተን እግድ ዝተገበረለን ሃገራት ሙዃነን ተሓቢሩ። እቲ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ጉዕዞ እገዳ ሙሉእ…
-
መግለፂ ቅዋም ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት።

መእተዊ፥ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ድሕሪ ዘካዶ መሪር ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ፣ ክቡር መስዋእትነት ከፊሉ ንፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ስዒሩ ፤ ዓዲ ካብ ምብትታን ዘድሐነ ሓዱሽ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክትከል ዝገበረ ህዝቢ እዩ። ንሕገ- መንግስታዊ ስርዓት ተኸቲሉ ብዝሃቦ መሪሕነትን ፣ ዘካየዶ ኩለ መዳይ ቃልስን ኣብ መላእ እዛ ሃገር ንሰለስተ 10ታት ዓመት ዓላም ዝመስከሮ…
-
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣማኻሪ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ተሾይሞም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ንክልተ ዓመት ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ንዝመርሑ ነበር ፕረዚዳንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ 3 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ኣማኻሪ ሚንስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝሸየሙዎ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

