ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ጥራሕ 458 ሰባት ከምዝተቐተሉ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢ/ያ ኣፍሊጡ።
መብት ክልል ኦሮምያ ዞባ ኣርሲ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ጥራሕ 458 ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልእት 38 ሰባት ድማ ሃለዋቶም ከምዘይተረኸበ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ኣፍሊጡ።
ኢሰመጉ ነዚ ዝበለ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 19 ሓምለ 2018 ዓ/ም ኣብ ክልል ኦሮምያ ምብራቓዊ ዞባ ኣርሲ ዝቸፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪት ኣብ ዘውፀኦ 37 ገፃት ዝሓዘ ሪፖርት እዩ።
ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ሪፖርት ካብ መጋቢት 3ተ ክሳብ መጋቢት 9 ኣብ ዘለው መዓልቲታት ንወረዳታት ሽርካ፣ መርቲ፣ ሆንቆሎ፣ ዋቤ ኢሉ’ውን ኣስኮ ሓዊሱ ብሓፈሻ ኣብ 9 ወረዳታታት ብዝተገብረ መፅናዕቲን ምርመራን ዝወፀ ኮምዝኾነ እዩ ዝገልፅ። ኣብቲ ዝተገብረ ምርመራታት ድማ እቶም ሰብ ሞያ ምስ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት፣ ቤተሰቦም ዝተቐተሉዎምን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ብምዝርራብ ከም ዝተዳለወ እውን ተገሊፁ እዩ።
ብመሰረት እቲ ሪፖርት ድማ ኣብቲ ዞባ ዝፍፀሙ ዘለው መጥቃዕቲት ቅድሚ 4ተ ዓመት ጀሚሮም እናተፈፀሙ ዝመፅኡ ምዃኖም ብምጥቃስ፥ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ዕጡቓት ሃይማኖት መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ጉድኣት ከም ዘብፅሑ ኣፍሊጡ እዩ። ኣብዞም ዝሓሐፉ 4ተ ዓመታት ቅትለት፣ ኣገዲድካ ምስዋር፣ ዘረፋ፣ መጉዳእቲ ኣካልን ዕንወት ንብረትን ዘስዐቡ መጥቃዕቲታት ከምዝተፈፀሙ፤ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ገዛውቲ ከምዝተቓፀሉ ተመላኺቱ እዩ።
ቀፂሉ ድማ እቲ ሪፖርት ካብ 2014 ዓ/ም ንነዘ ኣብ ዘሎ ግዜ 458 ሰባት ከምዝተቐተሉ እዩ ዝገልፅ። ካብዚኣቶም እቶም 4ተ ናይቲ ከባቢ ህዝባዊ ምልሻ እንትኾኑ እቶም ዝተረፉ ግን ኑፁሃን ዜጋታት ሙኻኖም እዩ ዝሕብር። ካብዚ ብተወሳኺ ኢሰመጉ ናይቶም 349 መወትቲ ሽም ዝርዝሮም፣ ዝተቐተልሉ ቦታን ዕለትን ኣብ ሪፖርቱ ኣስፊርዎ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ብቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተቐተለት ናይ 7ተ ወርሒ ህፃን ዘዝሓዘ ናይ 67 መኸቲ ፎቶ ግራፍ እውን ኣተሓሒዙ ኣቕሪቡ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ዕገታ ከምዝተፈፀመ እውን ዝጠቐሰ ኮይኑ፤ ካብዚኣቶም ድማ ገሊኦም መልቀቒ ገንዘብ ከፊሎም ዝተፈትሑ ከምዘው ከምኡ’ውን ገንዘብ ከፊሎም እናሃለው ዝተቐተሉ ከምዘለው እዩ ዝገልፅ። ካብዚ ብተወሳኺ 38 ሰባት ድማ ዛጊድ ሃለዋቶም ከምዘይተረኸበ ተገሊፁ እዩ።
በብ ግዚኡ ንዝፍፀሙ መጥቃዕቲት ሰጊኦም ናብ ጎሮባብቲ ክልላት ዝተሰደዱ ከምዘለው እውን ዝጠቐሰ ኮይኑ፤ ብዚ ምኽንያት ድማ ንዝኸፍአ ፀገም ተቓሊዕም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ እዩ።
እዞም መጥቃዕቲታት እዚኦም ሃይማኖታዊ መልክዕ ዘለዎም መጥቃዕቲታት ምዃኖም ዝገለፀ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) መንግስቲ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተትቲ ክገብር ፃውዒቱ ኣቕሪቡ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ምስ እዚ መጥቃዕቲ ተኣሳሲሩ መንግስቲ ፌደራል ኮኖ ኢሎም ይኹን ብሸለልትነት ሕጋዊ ግዴተኦም ንዘይተዋፅኡ ናይ ምምሕዳርን ፀጥታን ኣካላት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተቲ ክገብር ፃውዒቱ ዘቕረበ ኢሰመጉ፤ ተፈናቒሎም ዝኸፍአ ሂወት ንዘሕልፉ ዘለው ዜጋታት እቲ ዞባድማ ብፍቓዶም ብክብሪን ድሕንነቶም ብዘረጋግፅ ኣገባብ ናብ መረበቶም ክምለሱ ፀዊዑ እዩ።



Leave a Reply