Tag: #ውሳነታት ዶናልድ ትራምፕ
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ናይ ኒኩለር ጣብያታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓያል መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ናይ ኒኩለር ጣብያታትን ሓያል መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ። በዚ ከቢድ መጥቃዕቲ ሓላፊ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኢራን ሆሰይን ሳላሚ ከምዝተቐተሉ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን ፀብፂበን። እስራኤል (operation raising lion) ክትብል ብዝሰየመቶ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከቢድ ዕንወት ዘብፅሐ መጥቃዕቲ ኣካይዳ ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኢራን ንናይ እስራኤል…
-
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘካተተ ዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ኣጊዱ።

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ጉዕዞ ከይገብሩ ኣጊዶም። ካብተን ብትእዛዝ ትራምፕ እግድ ዝተገበረለን 3 ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ማለት እውን ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ከምተዘርዘራ ተገሊፁ። ካብዚ ብተወሳኺ ሃገራት ሊብያ፣ ቻድ፣ ኮንጎ፣ ኢኳቶሪያል ጊኒ፣ የመን፣ ሀይቲ፣ ኢራን፣ ማይናማርን ኣፍጋኒስታንን እውን ካብተን እግድ ዝተገበረለን ሃገራት ሙዃነን ተሓቢሩ። እቲ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ጉዕዞ እገዳ ሙሉእ…

