Tag: #እስራኤል
-
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንመጥቃዕቲ ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ዶሮናት ኢራን ንምዕጋት ዘመነወት ነፈርቲ ውግእ ይጥቀማ ምህላወን ተሓቢሩ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንመጥቃዕቲ ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ዶሮናት ኢራን ንምዕጋት (ንምምካን) ዘመነዎት ተዋጋእቲ ኣውሮፕላን ይጥቀማ ምህላወን ተሓቢሩ። ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኵናት ስዒቡ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ሰፊሕ ቁፅሪ ዘለዎን ሻሄድ ዝተብሃላ ዋግአን ኣዝዩ ውሕድ ዝኾና ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ድሮናት ብምጥቃም መጥቃዕቲ እናካየደት ዘላ ኮይና፤ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብግደአን ነዘን…
-
ብሰንኪ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ንዓውዲ ቱሪዝም እቲ ዞባ ከምዘዳኸሞ ተገሊፁ።

ብሰንኪ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ንዓውዲ ቱሪዝም እቲ ዞባ ከምዘዳኸሞ ተገሊፁ። ብሰንኪ እቲ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም (ህወፃ) ዝረኽብኦ ዝነበራ ኣታዊ ከምዘስኣነን ተሓቢሩ። እተን ሃገራት ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ መዓልቲ ኣስታት 600 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ይረኽባ ምንባረን ዝተሓበረ እንትኾን ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ብሰንኪ እቲ ኲናት…
-
እስራኤል ሎሚ ሮብዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ ሓያሎ መጥቃዕቲታት ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ።

እስራኤል ሎሚ ሮብዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ ሓያሎ መጥቃዕቲታት ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ። እስራኤል ምስ ኣሜሪካ ብሓባር ብምዃን ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚረን ኣብ ሌዕሊ ኢራን ንኣያቶላህ ኣሊ ኻሜኒ ሓዊሱ ቁልፊ ቁልፊ ወታሃድራዊ መራሕትን ተመራመርቲ ምምዕባል ኒውክለራዊ ኣፅዋር ኢራንን ዝተቐተልሉ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕትታት ዘካየዳ እንትኾና ሎሚ ረቡዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ መጥቃዕታት ከምዘኸፈተት ኣፍሊጣ ኣላ። ኢራን ንዝበፅሓ መጥቃዕቲ…
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

እስራኤል ሎሚ ንጉሆ ቅድመ ምክልኻል ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኤራን መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ብምግላፅ ኢራን ክትወስዶ ዝትኽእል ናይ ሕነምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሙሉእ እስራኤል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣመሓላሊፎም። ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ትዊተር ኣካውንቱ (X) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብመንፅር ህሉው ኩነታት፡ ካብ ሎሚ…
-
ብዘይካ ኣሜሪካ ኩለን ኣባል ሃገራት ቤትምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኣፍልጦ ሃገርነት ሶማሊላንድ ተቓዊመን።

ምክትል ቀዋሚ ወኪል ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ታሚ ብሩስ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሶማሊላንድ ዝኾነ ለውጢ ከምዘየለ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብግልጺ ኣፍሊጠን። ኣሜሪካ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ብዝምልከት ኣብ ኒውዮርክ ንዝርከብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ኣምባሳደር ታሚ ብሩስ “ኣብ ፖሊሲ ኣሜሪካ ዝኾነ ለውጢ የለን ብምባል መርገጺ ዋሽንግተን ገሊጻ። እተን ኣምባሳደር መርገጺ…
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ናይ ኒኩለር ጣብያታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓያል መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ናይ ኒኩለር ጣብያታትን ሓያል መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ። በዚ ከቢድ መጥቃዕቲ ሓላፊ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኢራን ሆሰይን ሳላሚ ከምዝተቐተሉ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን ፀብፂበን። እስራኤል (operation raising lion) ክትብል ብዝሰየመቶ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከቢድ ዕንወት ዘብፅሐ መጥቃዕቲ ኣካይዳ ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኢራን ንናይ እስራኤል…
-
ኣሜሪካ 7.4 ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ኣፅዋር ኲናት ንእስራኤል ክትሸጥ ከምዝወሰነት ተገሊፁ።

ኣስታት 7.4 ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ኣፅዋር ኲናት ናብ እስራኤል ንክሽወጥ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ናይ መሸጣ ውዕሊ ከምዘፅደቐ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣረጋጊፆም። ካብዚ እቲ ናይ 6.75 ቢልዮን ዶላር ኣፅዋር ቦይንግ ኩባንያ ዘቕርቦ እንትኸውን መምረቲ ኣፅዋራት ኲናት ዝኾነ ሎክሄድ ማርቲን ዝተብሃለ ኩባንያ ድማ ናይ ኣስታት 660 ሚልዮን ዶላር ዝግመቱ “ሄልፊር” ሚሳኤላት ከምዘቕርብ ሮይተርስ ፀብፂቡ። ምስዚ ብዝተትሓሓዘ…
-
እስራኤልን ሓማስን ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ከምዝተስማዕምዑ ተገሊፁ።

እስራኤልን ሓማስን ዝተፈራረሙዎ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ኣብ ቀፃሊ ጥሪ 11/2017 ዓ.ም ተግባራዊ ከምዝኸውን ዝተገለፀ እንትኾን እስራኤል ኣብ ጋዛ እትካይዶ ዘላ ኲናት ግን እናቐፀለ ይርከብ። ብተወሳኺ እቲ ስምምዕነት ቅድሚ ተግባራዊ ምኻኑ ኣብ ቤትምኽሪ እስራኤል ክፀድቕ ከምዘለዎ ተሓቢሩ። እቲ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ብዕለት 7 ጥሪ 2017 ዓ.ም ድሕሪ ምፍራሙ እስራኤል ብዘካየደቶ ናይ ኣየር…
-
ኣሜሪካ ንእስራኤል ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣፅዋር ኲናት ክትሸጠላ ከምዝሓሰበት ተገሊፁ።

ምምሕዳር ጆባይደን ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ኣፅዋር ኲናት ንእስራኤል ክሽየጥ ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ረቒቕ ከምዘቕረቡ ንክልተ ሰበስልጣናት ኣሜሪካ ጠቒሱ ሮይተርስ ፀብፂቡ። ኣሜሪካ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት እናካየደት ንዝትርከብ መሻርኽታ እስራኤል እተገብሮ ድጋፍ እናቐፀለቶ ትርከብ። ብባይቶ ተወከልቲ ህዝብን ሰኔትን ክፀድቕ ትፅቢት ዝግበረሉ እዚ ናይ መሸጣ ኣፅዋር ኲናት ረቒቕ ናይ ተዋጋእቲ ጄታት ተተካሲ፣ ተዋጋእቲ ሄልኮፍተራት፣…

