እስራኤል ሎሚ ሮብዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ ሓያሎ መጥቃዕቲታት ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ።

እስራኤል ሎሚ ሮብዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ ሓያሎ መጥቃዕቲታት ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ። እስራኤል ምስ ኣሜሪካ ብሓባር ብምዃን ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚረን ኣብ ሌዕሊ ኢራን ንኣያቶላህ ኣሊ ኻሜኒ ሓዊሱ ቁልፊ ቁልፊ ወታሃድራዊ መራሕትን ተመራመርቲ ምምዕባል ኒውክለራዊ ኣፅዋር ኢራንን ዝተቐተልሉ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕትታት ዘካየዳ እንትኾና ሎሚ ረቡዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ መጥቃዕታት ከምዘኸፈተት ኣፍሊጣ ኣላ።

ኢራን ንዝበፅሓ መጥቃዕቲ ስዒቡ ንስትራተጂካዊ መስመር ንግዲ ባሕሪ ወሽመጥ ሆርሙዝ ምዕፃዋ ዝገለፀት እንትኾን ኣሜሪካ ብግደኣ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ልዕሊ 2000 ዕላማታት መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ገሊፃ እያ። ካብዚ ብተወሳኺ ንስትራተጂካዊ መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንምዕፃው ዝተንቀሳቐሳ 17 መርከባት ኢራን ወቒዓ ከምዘዕነወት እውን ኣዛዚ ማእኸል ወታሃድራዊ እዚ ኣሜሪካ (CENTCOM) ብራድ ኮፐር ኣፍሊጡ እዩ።

ብራድ ኮፐር ወሲኹ ከምዝገለፆ ኢራን ዛጊድ ልዕሊ 500 ባሊስቲክ ሚሳኤልን ልዕሊ 2000 ድሮናት ከምዘወንጨፈት ብምግላፅ ኣሜሪካ ነዞም ተንቀሳቐስቲ መወንጨፊ ሚሳኤል ኢራን እናሃደነት ብምዕናው ዓቕሚ ሕነ ምፍዳይ ኢራን ንምድኻም መጥቃዕታት ኣናካየደት ከምዘላ ገሊፆም።

ብዝተራቐቑ ናይ ስለላ ስራሕቲ ሞሳድን መግለፂ ጫፍ ስልጣነ ዓለም ዝኾኑ ቴክኖሎጅታት ሓይሊ ምድርን ባሕርን እስራኤልን ኣሜሪካን ተሰንዩ ዝካየድ ዘሎ እዚ ወታሃድራዊ መጥቃዕቲ ሐዚ እውን ተጠናኺሩ ዝቕፅል ዘሎ ኮይኑ፤ ኢራን ብመስመር ሆርሙዝ ዝሓልፋ ናይ ንግዲ መርከባት ከምእትወቅዕ ምግላፃ ስዒቡ ኣብ ቀረብ ምህርቲ ነዳዲ ዓለም ንዘጋጥም ሕፅረት ንምክልኻል ኣብ ልዕሊ ናይ ንግዲ መርከባት ካብ ኢራን ክኽፈት ካብ ዝኽእል መጥቃዕቲ ከለላ ንምሃብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ምድላዋቱ ወዲኡ ከምዘሎ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝተብሃለ ማሕበራዊ መራኸቢኦም ገሊፆም እዮም።

ኢራን ሐዚ እውን ሕነ ንምፌዳይ ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት ሚሳኤልን ድሮንን እናካየደት ዘላ እንትኾን “ንፀላእትና እንብሎም እንድሕር ዋና ዋና ማእኸላትና ንምውቃዕ እንድሕር ወሲኖም ንሕና እውን ንኩሎም ማእኸላት ቁጠባ ከምእንወቅዕ እዩ” ክብል ዋና ኣዛዚ እስላማዊ ወያነ ዘብዒ ኢራን (ICRC) ጀነራል ኢብራሂም ጃባሪ ዝተዛረበ እንትኾን ኢራን ኣብ ዱባይ ኣብ ዝርከብ ቆንስላ ኣሜሪካ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ዘካየደት ኮይና ዘብፅሖ ጉድኣት ከምዘየለ ተገሊፁ እዩ።

ኢራን ቅድሚ እዙይ ኣብ ረያድን ኩዌትን ኣብ ዝርከቡ ኢምስታትን ኣሜሪካን ኣብ ባህረይን ኣብ ዝርከብ ወታሃድራዊ ናቕጣ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካን መጥቃዕትታት ንምክያድ ዝፈተነት እንትኾን ማእኸል ወታሃድራዊ እዚ ኣሜሪካ CENTCOM ዕላዊ ብዝገበሮ መሰረት ሽሞምን ፎቶኦምን ኣተሓሒዙ ዝገለፆም 5ተ ወታሃደራት ጥራሕ ከምዝተቐሉ ገሊፁ እዩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ብግድኡ ሐዚ እውን “መውንጨፊ ሚሳኤላት፣ ትካላት ፀረ መጥቃዕቲ ኣየርን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ኣሸባሪ ገዛኢ ሓይሊ ኢራን ዒላማ ዝገበሩ ሓያሎ ተወሰኽቲ መጥቃዕታት ከካይድ እየ” ክብል ዕላዊ ገይሩ እዩ።

ብዚ መሰረት ድማ ሐዚ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ኣርባዕተ ቢ-2 ስፕሪት ስዉር ቦምባ ዝድርብያ ነፈርቲ ንመከላኸሊ ኣየር ኢራን ኣፍሪሰን ኣብ ልዕሊ ማእከላት መዋፈሪ ትሕቲ መሬት ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ መኽዘናት ኣጽዋርን መፍረ ሚሳይላትን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ 2000 ፓውንድ ዝምዘን “ባንከር-ባስቲንግ” ብዝተብሃሉ ቦምባታት መጥቃዕቲ ኣካይደን ኣለዋ።

ነፍሲ ወከፍ ቢ-2 40 ሽሕ ፓውንድ ዝምዘን ጽዕነት ሚሳይላትን ቦምባታትን ክስከም ዝኽእል ኮይኑ፡ እተን ኣርባዕተ ነፈርቲ ኣሜሪካ ድማ ነቲ ብሓንሳብ መጥቃዕቲ ፈጺመን፡ 160 ሽሕ ፓውንድ ዝምዘን ብትኽክል ዝምራሕ ቦምባታት ተሰኪመን ናብቲ ኣዝዩ ዘመናውን ብኸቢድ ዝሕሎን ክሊ ኣየር ኢራን ብምእታው ከቢድ መጥቃዕቲ ከምዘብፀሓ እስራኤል ኣፍሊጣ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading