Tag: #ኢራን
-
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ድሕሪ እቲ ዝፈረምኦ መረዳድኢ ውዕሊ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ተገሊፁ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ተገሊፁ። ኣሜሪካ ነዚ መጥቃዕቲ ዘካየደትሉ ምኽንያት ድማ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኮንተይነራት ፅዒና ብወሽመጥ ሆርሙዝ እናሓለፈት ኣብ ዝነበረት መርከብ ንዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ድሮን ግብረመልሲ ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ ፋይናንሻል ታይምስ ፀብፂቡ። ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን መጋዘናት ሚሳኤልን ድሮናትን፣ ናይ ራዳር ሰርዓትን መጥቃዕቲ ከምዘካየደ…
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ደብዳብ ኣየር ምክያዳ ስዒቡ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ደጊማ ክትዓፅዎ ከምትኽእል ኣጠንቂቓ።

ኢራንን ኣሜሪካን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣደራዳራይነት ፓኪስታንን ኳታርን መረዳድኢ ውዕሊ ከምዝተፈራረማ ዝዝከር እንትኾን፤ ይኹን እምበር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እናካየደቶ ዘላ ደብዳብ ኣየር ብዘይምቁራፃ ምኽንያት ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ደጊማ ክትዓፅዎ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ። ድሕሪ ስምምዕነት ኢራንን ኣሜሪካን ወሽመጥ ሆርሙዝ ናብ ምሉእ ኣገልግሎት ተመሊሱ ዝነበረ ኮይኑ፥ Pakistan today ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ትማሊ ኣማስዩ ሒዝዎ ዝወፀ ሓበሬታ…
-
ኢራን ናይ ኣሜሪካ ሄልኮፕተር ወቒዓ ከምዘውደቐት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም፤ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ሂባ።

ኢራን ናይ ኣሜሪካ ሄልኮፕተር ወቒዓ ከምዘውደቐት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም፤ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ሂባ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ እናተንቀሳቐሰት ዝነበረት ሄልኮፍተር ብኢራን ተወቒዓ ከምዝወደቐት ብምፍላጥ፤ ነዚ ስጉምቲ ኢራን ኣሜሪካ ግብረመልሲ ክትህበሉ ከምዝግባእ ገሊፆም። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝበልዎ ኢራን ንሰሉስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ጥቓ ሃገረ ኦማን ኣብ መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ክትትል ንምግባር እናተንቀሳቐሰት ዝነበረት…
-
ኣሜሪካን ኢራንን ብነፈርቲን ሚሳኤልን ከም ዝተጠቓቕዓ ተገሊፁ።

መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ሒዙዎ ዝወፀ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣሜሪካን ኢራንን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ክፈራረማ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ዓርቢ ብኣየርን ሚሳኤልንመጥቃዕቲ ከምዝተለዋወጣ ፀበፂቡ። ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝከታተል ዘሎ ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከም ዝገለፆ ኣብ መስመራት ንግዲ ባሕሪ ስግኣት ፈጢረን ዝነበራ 4 ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ሻሄድ-136 ዝዓይነተን ድሮናት ኢራን ወቒዑ…
-
ፕረዚደንት ትራምፕ ንቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ይሰርሑ ከምዘለው ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ይሰርሑ ከምዘለው ተገሊፁ። ፖረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ቅልውላው ብሰላማዊ ድርድር ንምፍታሕ ዘኽእሉ ኣማራፅታት ምፍጣሮም ንምርግጋፅ ይፅበዩ ከምዘለው ዋና ስትራተጂስት ፎሮም ማእኸለላይ ምብራቕ ጂም ሃንሰን ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብዘነበሮም ፃንሒት ገሊፆም። ጂም ሃንሰን ኣብ ፃነሒቶም ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ድማ ትራምፕ ነዚ ቅልውላው ብሰላማዊ ድርድር…
-
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 3ተ ናይ ንግዲ ሳተላይታት ቻይና እገዳ ከምዘንበረት ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 3ተ ናይ ንግዲ ሳተላይታት ቻይና እገዳ ከምዘንበረት ተሓቢሩ። ኣሜሪካ ንኢራን ድጋፍ ሂበን እየን ኣብ ልዕሊ ዝበለተን 3 ናይ ንግዲ ሳተላይታት ቻይና እገዳ ከምዘንበረት መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ፀብፂቡ። መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ (Department of the state) ጠቒሱ ከምዝሓበሮ ኣሜሪካ እገዳ ኣንቢራትለን ዘላ 3ቲአን ሳተላይታት ቻይና ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ…
-
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንመጥቃዕቲ ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ዶሮናት ኢራን ንምዕጋት ዘመነወት ነፈርቲ ውግእ ይጥቀማ ምህላወን ተሓቢሩ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንመጥቃዕቲ ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ዶሮናት ኢራን ንምዕጋት (ንምምካን) ዘመነዎት ተዋጋእቲ ኣውሮፕላን ይጥቀማ ምህላወን ተሓቢሩ። ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኵናት ስዒቡ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ሰፊሕ ቁፅሪ ዘለዎን ሻሄድ ዝተብሃላ ዋግአን ኣዝዩ ውሕድ ዝኾና ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ድሮናት ብምጥቃም መጥቃዕቲ እናካየደት ዘላ ኮይና፤ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብግደአን ነዘን…
-
ብሰንኪ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ንዓውዲ ቱሪዝም እቲ ዞባ ከምዘዳኸሞ ተገሊፁ።

ብሰንኪ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ንዓውዲ ቱሪዝም እቲ ዞባ ከምዘዳኸሞ ተገሊፁ። ብሰንኪ እቲ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም (ህወፃ) ዝረኽብኦ ዝነበራ ኣታዊ ከምዘስኣነን ተሓቢሩ። እተን ሃገራት ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ መዓልቲ ኣስታት 600 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ይረኽባ ምንባረን ዝተሓበረ እንትኾን ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ብሰንኪ እቲ ኲናት…
-
እስራኤል ሎሚ ሮብዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ ሓያሎ መጥቃዕቲታት ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ።

እስራኤል ሎሚ ሮብዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ ሓያሎ መጥቃዕቲታት ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ። እስራኤል ምስ ኣሜሪካ ብሓባር ብምዃን ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚረን ኣብ ሌዕሊ ኢራን ንኣያቶላህ ኣሊ ኻሜኒ ሓዊሱ ቁልፊ ቁልፊ ወታሃድራዊ መራሕትን ተመራመርቲ ምምዕባል ኒውክለራዊ ኣፅዋር ኢራንን ዝተቐተልሉ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕትታት ዘካየዳ እንትኾና ሎሚ ረቡዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ መጥቃዕታት ከምዘኸፈተት ኣፍሊጣ ኣላ። ኢራን ንዝበፅሓ መጥቃዕቲ…
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

እስራኤል ሎሚ ንጉሆ ቅድመ ምክልኻል ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኤራን መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ብምግላፅ ኢራን ክትወስዶ ዝትኽእል ናይ ሕነምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሙሉእ እስራኤል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣመሓላሊፎም። ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ትዊተር ኣካውንቱ (X) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብመንፅር ህሉው ኩነታት፡ ካብ ሎሚ…

