ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንመጥቃዕቲ ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ዶሮናት ኢራን ንምዕጋት ዘመነወት ነፈርቲ ውግእ ይጥቀማ ምህላወን ተሓቢሩ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንመጥቃዕቲ ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ዶሮናት ኢራን ንምዕጋት (ንምምካን) ዘመነዎት ተዋጋእቲ ኣውሮፕላን ይጥቀማ ምህላወን ተሓቢሩ። ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኵናት ስዒቡ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ሰፊሕ ቁፅሪ ዘለዎን ሻሄድ ዝተብሃላ ዋግአን ኣዝዩ ውሕድ ዝኾና ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ድሮናት ብምጥቃም መጥቃዕቲ እናካየደት ዘላ ኮይና፤ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብግደአን ነዘን ድሮናት እዚአን ንምምካን ኣዝየን ዝማዕበላን ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቓ ነፈርቲ ውግእ ይጠቀማ ምህላወን ተሓቢሩ።

ሃገራት ዓረብ ካብ ኢራን ንዝፍነወለን መጥቃዕቲ ድሮን ዋላ እኳ ብዘን ነፈርቲ ውግእ ኣቢለን ንምዕጋት እንተፈተና ይኹን ድኣ እምበር ዋጋ እተን ንመጥቃዕቲ ዝመፃ ድሮናት ኢራንን ንዐአን ንምውቃዕ እተን ነፈርቲ ውግእ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝትኩስኦ መሳርሕን ኣብ ኣየር ንክፀንሓ ዝሓተኦ ወፃኢን ግን ዘይመጣጠን ኮይኑ ከምዘሎ ፋይናንሻል ታይምስ ዘውፀኦ ምርመራዊ ፀብፃብ የመላኽት።

ነበር ኣማኻሪ ዲፓርትመንት ምክልኻል ኣሜሪካ ፔንታጎን ላውረን ከሃን ንፋይናንሻል ታይምስ ከምዝገለፆ እዚ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝጥቀማሉ ዘለዋ ኣገባብ ዘላቕነት ዘለዎ ከምዘይኮነ ገሊፁ እዩ። እዚ ማለት ዋጋ ድሮናት ኢራንን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዐአን ንምዕናው ዝጠቀማሉ መሳርሒን እንትነፃፀር ድሮናት ኢራን ኣዝዩ ዝተሓተ ወፃኢ ዝሓታ ሙዃነን እዩ።

ዋጋ እዘን ሻሄድ -136 ዝበሃላ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ መጥቃዕቲ ንምክያድ እትጥቀመለን ዘላ ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ድሮናት ከም ሓበሬታ ማእኸል ስትራቴጂን ዓለም ለኸ መፅናዕትን ኣሜሪካ ፡ ዋግአን ካብ 20,00 ክሳብ 50,000 ዶላር ዝበፅሕ እንትኾን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ነዘን ድሮናት እዚአን ንምክልኻል ዝጥቀማሉ ዘለዋ F-16 ዝተብሃለ ስራሕቲ ኣሜሪካ ዝኾነ ተዋጋኢ ጀት ድማ ኣብ ኣየር ንሓደ ሰዓት ጥራሕ ንክፀንሕ 25,000 ዶላር ከምዝበልዕ የመላኽት።

ካብዚ ብተወሳኺ እተን ነፈርቲ ውግእ ንድሮናት ኢራን ንምዕናው ዝትኩሰኦ ሚሳኤል ባዕሉ እውን ኣዝዩ ክባር ሙዃኑ እናተገለፀ እዩ። ካብ ነፈርቲ ውግእ ወፃኢ ብሚሳኤል ነዘን ድሮናት ኢራን ንምዕናው እውን ኣዝዩ ዘይመጣጠን ወፃኢ ከምዝሓትት ዝተመላኸተ ኮይኑ፤ ብዚ መዳይ እውን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ AIM-9X ዝተብሃለ ስራሕቲ ኣሜሪካ ዝኾነ ኣፅዋር ዝጥቀማ እንትኾና ዋጋ እዚ ኣፅዋር እውን 485,000 ዶላር ዝበፅሕ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ዝጥቀማሉ AIM-120 AMRAAM ዝተብሃለ ፀረ ሚሳኤል እውን ዋግኡ ኣሰታት 1 ሚልዮን ዶላር ዝበፅሕ እዩ።

ብዚ ምኽንያት ድማ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንባዕለን ዝከላኸላሉ ዘለዋ እፅዋራትን ኢራን ብበዝሒ ንመጥቃዕቲ እናተጠቐመትለን ዘላ ድሮናትን ወፃኢኡ ክመጣጠን ብዘይ ምኽኣሉ ንከቢድ ቁጠባዊ ፀገም የሳጥሐን ከምዘሎ እናተሓበረ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ወታሃድራዊ ሰብ ሞያ እተን ሃገራት ነዚ ጉዳይ ፍታሕ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ንምጥቃም መፅናዕቲታት እናካየዱ ከምዝርከቡ እናተገለፀ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኢራን ዛጊድ ልዕሊ 3000 ሻሄድ ዝተብሃላ ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ድሮናት ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ማለት’ውን ኳታር፣ ኢመራት ዓረብ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ክዌት፣ ባህሬንን ስዑዲ ዓረብን ዘወንጨፈት እንትኾን መብዛሕተአን ኣብ ኣየር እናሃለዋ ከምዝተወቕዓ ፀብፃብ ፋይናንሻል ታይምስ የመላኽት።

ኢማራት ዓረብ በይና ጥራሕ ብሃገራት ፈረንሳይን ብሪጣንያን ተሓጊዛ ልዕሊ 1600 ድሮናት ኢራን ከምዘምከነት ዝገለፀት ኮይና፤ ይኹን ድኣ እምበር ኣብ ልዕሊ ትካላት ኢነርጂ፣ ወታሃደራዊ ትካላትን ናይ ንፁሃን ዜጋታት መሰረተ ልምዓትን እታ ሃገር ከቢድ ዕንወት ኣብፂሐን እየን።

ኣብ ልዕሊ ብዋጋ ዘይምምጥጣኑ ድማ ቅልጣፈ እዘን ድሮናት ምስ ቅልጣፈ ተተኳሲ ነፈርቲ ውግእ እንትነፃፀር ኣዝዩ ትሑት ብሙዃኑ ድማ ብሓደ ዒላማ ንምውቃዕ ዘፀግም ኩነታት ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ከምዘለወን እናተገለፀ እዩ።

ብዚ ምኽንያት ድማ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ካብ ዩክረይን ተሞክሮ ንምውሳድ ይፍትኑ ከምዘለው ተገሊፁ እዩ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ እተካይዶ ኣብ ዘላ ኲናት ነዘን ድሮናት እዚአን እናተጠቐመትለን ከምዘላ ዝፍለጥ እንትኾን ዩክረይን ንሻሄድ ድሮናት ብዝሐሸ ዋጋ ዘምክን ቴክኖሎጂ ብምምሃዝ ንባዕላ እናተኸላኸለት ከሕዘላ ዝፍለጥ እዩ።

ብዚ ድማ ኣሜሪካ ልዕሊ 10,000 ስራሕቲ ዩክረይን ዝኾኑ ፀረ ድሮን ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘከፋፈለት ኮይና ዩክረይን ብግድኣ ብርክት ዝበሉ ኣማኸርቲ ሰብ ሞያ ሰዲዳ እያ።
ብዚ ምኽንያት ድማ ሓዱሽቲ ሜላታት የተኣታትው ከምዘለው ዝተሓበረ ኮይኑ ስራሕ ፈፃሚ ፍላይ ግሩፕ ዝተብሃለ ፋብሪካ ኣፅዋር ዩክረይን ኣናቶሊ ካርፕቺኒስኪ ንፋይናንሻል ታይምስ ከምዝተዛረቦ ፀላኢ ንዝልእኸልካ ኣማኢት ርካሽ ድሮናት ብሚሳኤል ንምውቃዕ እንድሕር ትፍትን ሚልዮናት ዶላር ክትኸስር ኢኻ። እዚ ድማ ብዘላቕነት ኣየዋፅእን” ክብል ብምግላፅ ነዚ ንምፍታሕ ኣብ ብቅልጣፈን ብራኸን አተን ድሮናት ዝመጣጠና ተዋጋእቲ ሄልኮፍተራት ዝግጠሙ ሓፀርቲ ሚሳኤላት ምጥቃም ኣዝዩ ዝሐሸ ሙዃኑ ሓቢሩ እዩ።

ብድምሩ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ካብቲ መጥቃዕቲ ብተወሳኺ ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዘውፀእኦ መጠን ወፃኢ ንምምጥጣን ኣዝየን ተገፀጊመን ዘለዋ ኮይነን ነዚ ፍታሕ ንምርካብ ድማ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ኣብ ምንዳይ ከምዝርከባ እናተሓበረ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading