Tag: #እዋናዊ_ዛዕባታት
-
ውድብ ጥዕና ዓለም ደቡብ ሱዳን ብለበዳ ኢቮላ ናይ ምጥቃዕ ዕድላ ዝለዓለ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ደቡብ ሱዳን ብለበዳ ኢቮላ ናይ ምጥቃዕ ዕድላ ዝለዓለ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ደቡብ ሱዳን ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣጋጢሙ ንዘሎ ለበዳ ሕማም ኢቮላ ኣዝያ ተቓላዒት ከምዝኾነት ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣብ ብዘውፀኦ መፅናዕቱ ኣጠንቂቑ። ከም መፅናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም እንተኾይኑ እቲ ለበዳ ናብ ደቡብ ሱዳን ናይ ምእታው ዕድሉ 70 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ግምቶም…
-
ዕጡቕ ሂዝቦላህ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን መንግስቲ ሊባኖስን ዝተገብረ ስምምዐነት ምቁራፅ ተኹሲ ተቓዊሙ።

ዕጡቕ ሂዝቦላህ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን መንግስቲ ሊባኖስን ዝተገብረ ስምምዐነት ምቁራፅ ተኹሲ ተቓዊሙ። እስራኤል ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ሊባኖስ ኣንፃር ዕጡቕ ጉጅለ ሂዝቦላህ እናተዋግአት ዘላ እንትኾን፤ ኣሜሪካ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕላዊ ዝተገብረ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ኣፈራሪማተን እያ። ይኹን እምበር እዚ ስምምዕነት ኣብ ግዝኣት ሊባኖስ ዘሎ ሰራዊት እስራኤል መዓዝ ከምዝወፅእ ዘቐመጦ ግዜ ገደብ የብሉን። ነዚ ስዒቡ…
-
ልዕሊ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣፍ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ከምዝርከቡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

ልዕሊ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣፍ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ከምዝርከቡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተብሃለ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ። ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁዩማን ራይተስ ዎች ከምዝገለፆ ልዕሊ 65 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ኣፍ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ እቲ ትካል ብዕለት 21 ሚያዝያ 2026 ኣ.ፈ ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ብገበን…
-
ቻይና ሶማልያ ኣንፃር ዕጡቓት ኣልሸባብ እተካይዶ ኣብ ዘላ ኲናት ናይ ኣፅዋር ድጋፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተገሊፁ።

ቻይና ንሶማሊያ ወታሃደራዊ ድጋፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተሓቢሩ። ቻይና ሶማልያ ኣንፃር ዕጡቓት ኣልሸባብ እተካይዶ ኣብ ዘላ ኲናት ናይ ኣፅዋር ድጋፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተገሊፁ። ድጋፍ ቻይና ካብ ድጋፍ ኣፅዋር ብዝዘለለ ወታሃድራዊ ስልጠናን ምትሕብባር ፀጥታን ዘካትት ሙዃኑ እውን መርበብ ሓበሬታ ዘ-ኮንቨርዜሽን ዘውፀኦ ሰፊሕ ትንታነ የመላኽት። እዚ ድማ ቻይና ቅድም ክብል ኣብ ጉዳይ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝነበራ…
-
ፑንትላንድ ኣብ ቤትዕዮታት ፀጥታን ትምህርትን ሓደሽቲ ሸመታት ኣፅዲቓ።

ፑንትላንድ ኣብ ቤትዕዮታት ፀጥታን ትምህርትን ሓደሽቲ ሸመታት ኣፅዲቓ። ፕረዚደንት ክፋል ልኣላዊት ክልል ፑንትላንድ ሰይድ ኣብዱላሂ ደኒ ሓደሽቲ ሽመታት ከምዝሃቡ ተገሊፁ። ሆርስድ ሚድያ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ከምዝፀብፀቦ ፕረዚዳንት ፑንትላን ኣብ ቤተዕዮታት ትምህርቲን ፕረዚዳንታዊ ሓይሊ ፀጥታን ሓደሽቲ ሽመታት ከምዝሃቡ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ሌተናንት ጀነራል ሰይድ ኑር ሽሬ ኣዛዚ ፕሬዚደንታዊ ሓይልታት ፀጥታ ፑንትላንድ ኮይኖም ተሸይሞም። ቅድም ክብል…
-
ዕጡቓት ሑቲ ንኢራን ደጊፎም ናብ ኲናት እስራኤልን ኢራንን ምእታዎም ስዒቡ ኣብ መስመር ንግዲ ወሽመጥ ባብ ኤል-መንዳብ ፀገም ፀጥታ ከየጋጥም ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ዕጡቓት ሑቲ ኲናት እስራኤልን ኢራንን ካብ ዝጅመር ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ናይ ሚሳኤላት መጥቃዕቲ ምክያዱ ስዒቡ ኣብ መስመር ንግዲ ባብልመንዳብ እውን ልክዕ ከም መስመር ሆርሙዝ ከይዕፆ ስግኣት ፈጢሩ ምህላው ተሓቢሩ። ወሽመጥ (መስመር) ባብ ኤል-መንዳብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ጁቡቲን ኤርትራን ከምኡ’ውን የመን ዝርከብ ንቀይሕ ባሕርን ባሕሪ ኤደን (ባሕረ ሰላጤ)ን ዘራኽብ ኮይኑ ናይ…
-
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንመጥቃዕቲ ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ዶሮናት ኢራን ንምዕጋት ዘመነወት ነፈርቲ ውግእ ይጥቀማ ምህላወን ተሓቢሩ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንመጥቃዕቲ ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ዶሮናት ኢራን ንምዕጋት (ንምምካን) ዘመነዎት ተዋጋእቲ ኣውሮፕላን ይጥቀማ ምህላወን ተሓቢሩ። ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኵናት ስዒቡ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ሰፊሕ ቁፅሪ ዘለዎን ሻሄድ ዝተብሃላ ዋግአን ኣዝዩ ውሕድ ዝኾና ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ድሮናት ብምጥቃም መጥቃዕቲ እናካየደት ዘላ ኮይና፤ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብግደአን ነዘን…
-
ሓደ ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ (AFP) ሎሚ ናብ ክልል ትግራይ ብነፋሪት ከይከይድ ከምዝተኸልከለ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ሓደ ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ (AFP) ሎሚ ናብ ክልል ትግራይ ብነፋሪት ከይከይድ ከምዝተኸልከለ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩን ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎን ወኪል AFP ናብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ ክበርር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ፍቓድ ኣይተውሃበካን ብዝብል ካብቲ መንገዲ ኣየር ክምለስ ከምዝተገበረ እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ። ሓደ ኣባል ድሕንነት መንገዲ…
-
ጎንፂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ እዋን ፅንታዊ ኲናት ትግራይ ኣትሒዙ ዝተጀመረ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቡ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ጎንፂ ካብ ምጅማር ፅንታታዊ ኲናት ትግራይ ኣትሒዙ ከምዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሎምዓንቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብቦ መብርሂ ገሊፁ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝገለፆ መበገሲ ጎንፂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብዝፈፀሞም ግፍዕታት እምበር ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝጀመረቶ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ኣጀንዳ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ። እቲ…
-
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሎሚ ዕለት 7ይ ዙር ጠቕላላ መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ኩነታት ፀጥታ ንምግምጋም ዝዓለመ መድረኽ ኣካይዱ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሎሚ ዕለት መበል 7ይ ዙር ጠቕላላ መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ኩነታት ፀጥታ ንምግምጋም ዝዓለመ መድረኽ ኣካይዱ። እዚ መድረኽ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ክልላትን ውድባት ፖለቲካን ከምዝተረኸቡ ዝተሓበረ እንትኾን ኣከቢት ቦርድ እቲ ቦርድ መረፃ ዝኾነት ሜላተወርቅ ሃይሉ እቲ ቦርድ ቅድም ክብል ብዘውፅኦ መርሃ ግብሪ መሰረት ስራሕቱ እናካየደ ከምዝርከብ ገሊፃ እያ። በዚ መሰረት ድማ ካብ ጥሪ…

