Tag: #RSF
-
ኣልቡርሃን፡ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ ዕጥቆም ዘይፈትሑን ዘይብተኑን እንድሕር ደኣ ኮይኖም ናብ ድርድር ከምዘይኣትው ገሊፆም።

ፕረዚዳንት ልኣላዊ ባይቶ ስግግር ሱዳን ከምኡ’ውን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ኣብደልፋታህ ኣልቡርሃን ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ ዕጥቆም ክፈትሑን ክብተኑን ናብ ዘይገብር ድርድር ከምዘይኣትው ምግላፆም ሱዳን ቱሪቡን ፀብፂቡ። ሱዳን ቱሪቡን ከምዝፀብፀቦ ኣልቡርሃን ኣብ ምብራቓዊ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ቦታ ሼክ ኣቡ ቋሮን ተረኺቦም ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩ ኣመንቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልአኽቲ ዝኾነ ድርድር ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ንዝምርሑ…
-
ሓደ ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ (AFP) ሎሚ ናብ ክልል ትግራይ ብነፋሪት ከይከይድ ከምዝተኸልከለ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ሓደ ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ (AFP) ሎሚ ናብ ክልል ትግራይ ብነፋሪት ከይከይድ ከምዝተኸልከለ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩን ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎን ወኪል AFP ናብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ ክበርር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ፍቓድ ኣይተውሃበካን ብዝብል ካብቲ መንገዲ ኣየር ክምለስ ከምዝተገበረ እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ። ሓደ ኣባል ድሕንነት መንገዲ…
-
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ግምባር ደቡባዊ ኮርዳፋን ወሰንቲ ወታሃድራዊ ዓወታት ከምዝሓፈሰ ተሓቢሩ።

ሰራዊት ሱዳን ትማሊ ሶኒ ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ምስ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ (RSF) ድሕሪ ዘካየዶ ብርቱዕ ኵናት ንስትራቴጂካዊት ከተማ ሃቢላ ከምዝተቖፃፀረ ሱዳን ቱሪቡን ፀብፂቡ። ብጀነራል ኣብደል-ፋታህ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ንከተማ ሃቢላ ንምቁፅፃር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣንፃር ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ (RSF)ን መሻርኽቲ እዚ ዕጡቕ ሓይሊ RSF ከምዝኾነ ዝተገለፀ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን (Sudan…
-
መቐመጢኡ ኣብ ፖርት ሱዳን ገይሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ተመሊሱ።

መቐመጢኡ ኣብ ፖርት ሱዳን ገይሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ተመሊሱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ናይ “ተስፋ መንግስቲ” ብዕሊ ናብ ካርቱም ተመሊሱ ኣሎ ክብሉ ዝገለፁ እንትኾን ነቶም ብኲናት ዝተሃስዩ ሰዳናውያን ዝተመሓየሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ፃዕርታት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ብሰራዊት እታ ሃገር ዝምራሕ…

