ሓይልታ ቅልጡፉ ወሃብቲ ደገፉ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጎስጓስ ይገብሩ ከምዘለው ተሓቢሩ።

ኣዛዚ ሓይልታት ቅልጡፍ ውሃብቲ ደገፍ (RSF) መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄሚቲ) ኣብ ክልል ኮርዶፋን ዘጋጠሞ ስዕረት ስዒቡ ኣብ ክልል ዳርፉር ዝርከቡ ዓሌታት ንምስላፍ ጎስጓስ የካይድ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ቱሪቡን ፀብፂቡ። ሄሚቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘስመዖ መደረ ተዛሪቡዎ ክብል መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ቱሪቡን ከምዝሓበሮ፤ ርእሰ ከተማ ሱዳን ዝኾነት ካርቱም ንምቁፅፃር ወታሃደራቱ ከምዘንቀሳቐሰ ተዛሪቡ ክብል ፀብፂቡ።

ሄሚቲ ኣብ መደርኡ ዓሌታዊ ምልዕዓል ዝሰብኽ ሓረግ ብምጥቃሞ ኣብ ዳርፉር ዘለው ዓሌታት ናብ ዓውደ ግንባር ንምስላፋ ኣብቲ ከባቢ ጥራሕ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዓሌታዊ መልአኽቲ ዘለዎ ሓረግ ብምጥቃም የለዓዕል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ዓብደል ኣል ቢሻራ ዝተብሃለ ናይ ወታሃደራዊ ስትራተጂ በዓል ሞያ ንሱዳን ቱሪቡን ከምዝበሎ ኣዛዚ ሓይልታት መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዓሌታት ናብ ምልዕዓልን ዝኣተወሉ ምኽንያት እንትገልፅ RSF ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሕፅረት ገንዘብ ወፃእተኛታት ተዋጋእቲ (Mercenaries) ክቆፅር ብዘይምኽኣሉ ዝወስዶ፡ ዘጋጠሞ ናይ ሓይሊ ሰብ ሕፅረት ንምምላእ ዝጥቀመሉ ዘሎ ስልቲ እዩ ክብሉ ሓቢሩ እዩ።

RSF ቅድም ክድብ ክብል ካብ ሽይጣት ወርቂ ብዝረኽቦ ዝነበረ ዶላር ናይ ቁፃራት ዑጡቓት እናሳተፈ ከምዝፀንሐ ብምሕባር ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ኣብታ ሃገር ዝነበሮ ቁፅፅር እናፀበበ ምምፅኡ ስዒቡ ናይ መዓድናትን ካልኦት ዓቕምታቱን ምድዃም ከምዘጋጠሞ ኣረዲኡ እዩ። ብዚ ድማ RSF ዓሌታዊ ምልዕዓላት ብምግባር ዝተወሰዶ ናይ ሓይሊ ሰብ ልዕልና ንምክሕሓስ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

RSF ናይ ወፃኢ ቁፃራት ወታሃደራት ብምጥቃሙ ምኽንያት ድማ ብውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣሜሪካን ዝተፈላለዩ እገዳታትን ፅዕንቶታትን እናበፀሖ ምንባሩ እቲ በዓል ሞያ ወታሃደራዊ ስትራተጂ ንሱዳን ቱሪቡን ሓቢሩ።

ብዓል ሞያ ወታሃደራዊ ስትራተጂ ዓብደል ኣል ቢሻራ ወሲኹ ከምዝገለፆ ድማ ኣብ ዓውደ ኲናት ዝተወሰደካ ልዕልና ንምስትኽኻል ዓሌታዊ መልክዕ ዝሓዙ ምልዓላት ብምጥቃም ብእተሰለፎም ሓይልታት ኣብ መሬት ዘላቒ ብዝኾነ መንገዲ ዓወታት ምርካብ ከምዘይከኣል ዝጠቐሰ እንትኾን፤ እዚ ዓይነት ተግባር ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ እንትገለፅ ድማ ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ክትዋጋእ ምፍታን ኣብ መንጎ ህዝቢ ሱዳን ዘሎ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝበትኽን ሙለእ ኲናት ሕድሕድ ከስዕብ ዝኽእልን ሓደገኛ ኣካይዳ ኣተሓሳሲቡ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ቱሪቡን ውግንነኦም ምስ RSF ዝኾኑ ማሕበራዊ ሚድያታት ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ዓሌታት ክልል ዳርፉር ኣብ ጎኒ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኮይኖም ንምውጋእ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከቡ እዩ ዘመላኽት። ካብኣቶም ድማ መራሒ ዓሌት ፉር ከምዝኾነ ዝተነገረሉ ስሃርታይ ኢብራሂም ኣብደላህ መሓመድ ዝተብሃለ ኣማሓዳሪ 4ተ ተዋጋእቲ ብርጌዳቱ ሒዙ ንክሳተፍ ከምዝተስማዕመዐ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዓሌታት ዓረብ፣ ማእኸላይ ዳርፉር፣ ቤሂ ሃልባ እውን ብተመሳሳሊ ሓይልታትሞ ከምዘሰልፉ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ተገሊፁ ኣሎ። ሓይልታት RSF ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኮርዶፋን ኣብ ዘካየድዎም ውግኣት ብዘጋጠምዎም ስዕረታት ወሰንቲ ዝበሃሉ ናይ ቀረባት መስመራቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፤ ብዚ ድማ ኣብ ሓይሊ ሚዛን እቲ ኲናት መሰረታዊ ለውጢ ክገብር ክኢሉ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ሓይልታት RSF ኣብ ግንባራት ኮርዶፋንን ብሉ ናይልን ዝሰኣንዎም ከባብታ መሊሶም ንምቁፅፃር ኣብ ዳርፉር ዘለው ዓሌታት ኣብ ጎኖም ንከሰልፉ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎም ጎስጓሳት ኣብ ምግባር ይርከቡ። ሱዳን ቱሪቡን ኣብ ዘውፀኦ ሰፊሕ ትንታነ ከምዝሓበሮ ድማ እቶም ሕዚ ኣብ ክልል ዳርፉር ዝግበሩ ዘለው ዓሌታዊ ምልዕላት ኣብ ታሪኻዊ ታኣማንነትን ቅዋምን ዝተመስረተ ዘይኮነስ ዋናነት ኣብ ቀረብ ኣፅዋርን ፋይናንሳዊ ጥቕማ ጥቕምን ዝተመስረቱ ምዃኖም እዩ ዘመላኽት።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሱዳን ፕሮፌሰር ፖሊቲካል ሳይነስ ዝኾነ መሓመድ ኢድሪስ ንሱዳን ቱሪቡን ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ከምዝገለፆ ድማ RSF ናብዚ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎስጓስ ምእታዎም ኣብ ሓይሊ ሰብ ኣጋጢሙዎም ዘሎ ሕፅረት ዘርኢ እዩ ዝበለ ኮይኑ፤ እዚ ድማ ዓሌታዊ ምትፍናን ዝፈጥር ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝበታትኽን ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት ሕድሕድ ዘምርሕ ሓደገኛ ኣካይዳ እዩ ክብል ኮኒንዎ እዩ።

ኲናት ሱዳን ኣብዚ ብርኪ እዚ በፂሑ ዘሎ እንትኾን ዛጊድ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ብሰላማዊ ድርድር ንምፍታሕ ዝተገበሩ ፈተነታት ኣይሰመረን። ነዚ ድማ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት በብ ግዚኡ ብዝረኽብዎ ልዕልና መሰረት ንልዝብ ዘለዎም ቁርብነት ዝለዋወጥ ብሙዃኑ ድማ ብሰለማዊ መንገዲ ፍታሕ ከይረክብ ኣብ ምግባር ዝለዓለ ኣበርክቶ ጌሩ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading