መቐመጢኡ ኣብ ፖርት ሱዳን ገይሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ተመሊሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ናይ “ተስፋ መንግስቲ” ብዕሊ ናብ ካርቱም ተመሊሱ ኣሎ ክብሉ ዝገለፁ እንትኾን ነቶም ብኲናት ዝተሃስዩ ሰዳናውያን ዝተመሓየሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ፃዕርታት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ብሰራዊት እታ ሃገር ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ኲናት ሕድሕድ ሱዳን እንትጅመር ሓይልታት ወሃብቲ ድጋፍ (RSF) ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ስዒቡ ንዋና ከተማ ሱዳን ዝኾነት ካርቱም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ከውዕልዋ ድሕሪ ምኽኣሎም ኣብ 2023 ኣ.ፈ ናብ ፖርት ሱዳን ተፈናቒሉ ዝፀንሐ እንትኾን ብኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት መሊሱ ከምዝተቖፃፀራ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ኲናት እናተጋደደ ምቅፃሉ ስዒቡ ካብ ከተማ ካርቱም ኣስታት 5 ሚልዮን ዜጋታት ከምዝተመዛበሉ መረዳእታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘርኢ እንትኾን ብኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ድሕሪ ምቁፅፃሩ እናመሓየሸት ከምዘላ ተገሊፁ እዩ።
RSF ንዋና ከተማ ካርቱም ተቆፃፂሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብታ ከተማ ክወፁ ዘይካኣሉ ወይ ዘይደለዩ ሰባት ብርክት ዝበሉ ጉሕለትን ቅትለት ሰላማውያን ሰባትን ከምዘጋጠመ እናተገለፀ ምንባሩ ዝዝከር እንትኾን ሰራዊት ሱዳን ነታ ከተማ መሊሱ ካብ ዝቆፃፀር ድሕሪ 9ተ ወርሒ ማለት እውን ትማሊ 3 ጥሪ 2018 ዓ.ም ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ናብ ካርቱም ከምዝተመለስ ብዕሊ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እድሪስ ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ድማ መንግስቶም ኣብ ከተማ ካርቱም ኣገልግሎታት ማይ ፣ መብራህቲ፣ ጥዕናን ትምህርቲን ንምምሕያሽ ከምዝሰርሕ ገሊፆም እዮም።
ብተወሳኺ ዓመተ 2026 ልሱዳን ናይ ሰላም ዓመት ከም ዝኾን ተዚሪቦም። ውድብ ሕቡራት መይግስታት ብግድኡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ቅልውላዋት እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ክብል ዝገልፆ እንትኾን ብሰንኪ እናቐፀለ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ከምዝተመዛበሉን ኣስታት 150, 000 ሰባት ከምዝሞቱ የረድእ።



Leave a Reply