ሓደ ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ (AFP) ሎሚ ናብ ክልል ትግራይ ብነፋሪት ከይከይድ ከምዝተኸልከለ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ሓደ ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ (AFP) ሎሚ ናብ ክልል ትግራይ ብነፋሪት ከይከይድ ከምዝተኸልከለ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩን ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎን ወኪል AFP ናብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ ክበርር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ፍቓድ ኣይተውሃበካን ብዝብል ካብቲ መንገዲ ኣየር ክምለስ ከምዝተገበረ እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።

ሓደ ኣባል ድሕንነት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ እግድ እንትዛረብ ድማ ዝኾነ ይኹን መረዳእታ እንተየቅረበ እዚ መምርሒ ” ትማሊ ወይ ሎሚ ናብ ስራሕ ዝኣተወ መምርሒ እዩ” ክብል ምግላፁ ተሓቢሩ እዩ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ (Agence France-Presse) ከምዝገለፆ ኢትዮጵያ ድምፂ ተቓወምቲን ብምዕፋን ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብተደደጋሚ ዝትውቀስ ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ጥራሕ ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም እዮም ወይ ድማ ናይ ስራሕ ፍቓዶም ክስረዝ ተገይሮም እዮም ክብል ኣመላኺቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ቅልጡፍ ውሃብቲ ደገፍ (RSF) ዝስልጥንሉ ወታሃድራዊ መሰልጠኒ ከም ዝሃነፀት ሮይተርስ ዘቕረቦ ምርመራዊ ፀብፃብ ስዒቡ፡ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ናይቲ ትካል ፍቓድ ስራሕ ከምዘይተሓደሰ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

ዶብ ኣልቦ ጉጅለ ጋዜጠኛታታት (Reporters Without Borders) RSF ዝተብሃለ ትካል ድማ ጋዜጠኛ AFP ካብ ጉዕዝኡ ምእጋዱ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ ጋዜጠኛ “ዝተፈፀመ ግህሰት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል” እዩ ክብል ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ እዩ። እዚ ተግባር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ ሚድያታት እትገብሮም ዘላ እገዳታት እናወሰኸት ትኸይድ ዘላ ካልእ መርኣያ ምዃኑ እቲ ትካል ገሊፁ።

ከምኡ’ውን ዶብ ኣልቦ ጉጅለ ጋዜጠኛታታት (RSF) ኣብ ዘወፅኦ ዓመታዊ ፀብፃብ ነፅነት ፕረስ ፡ ንኢትዮጵያ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 145 ደረጃ ብምስራዕ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ’ውን ይገልፅ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ማዕከን ዜና ጀርመን ዶይቸ ዌለ (DW) ዝሰርሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ (ኢትዮጵያ) ናይ ስራሕ ፍቓዶም ብቐዋምነት ምእጋዱ፡ ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ ፍቓድ ሪፖርተራት ቢቢሲ እውን ሕድሳት ክግበረሎም ብዘይምኽኣሉ ብዛዕባ ሃዋህው ሚድያ ኢትዮጵያ ዝያዳ ስክፍታታት ከምዘስዓበ ይዝከር።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading