ፕረዚዳንት ልኣላዊ ባይቶ ስግግር ሱዳን ከምኡ’ውን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ኣብደልፋታህ ኣልቡርሃን ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ ዕጥቆም ክፈትሑን ክብተኑን ናብ ዘይገብር ድርድር ከምዘይኣትው ምግላፆም ሱዳን ቱሪቡን ፀብፂቡ።
ሱዳን ቱሪቡን ከምዝፀብፀቦ ኣልቡርሃን ኣብ ምብራቓዊ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ቦታ ሼክ ኣቡ ቋሮን ተረኺቦም ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩ ኣመንቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልአኽቲ ዝኾነ ድርድር ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ንዝምርሑ ዕጡቓት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ ዕጥቆም ክፈትሑን ክብተኑን እንድሕር ዘይገብር ኮይኑ ከምዘይቕበሉ ተዛሪቦም።
ኣልቡርሃን ወሲኾም ከምዝተዛረብዎ ድማ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ ጠቕሊሉ ካብ መላእ ሱዳን ካብ ዘጥፍእ መስርሕ ወይ ኣማራፂ ወፃኢ ዝኾነ ማእኸላይ መፍትሒ፤ ብኻልእ ኣበሃህላ ኣብ ህልውና ክልቲኦም ሓይልታት ዝምሰረት መፍትሒ ክህሉ ከምዘይኽእል እዮም ተዛሪቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣልቡርሃን ኣብ መልአኽቶም፡ ህዝብን ሰራዊትን ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ መሉእ ዓወት እንተድኣ ዘየመዝጊቡ ይብሉ፤ እዚ ሓይሊ ናብ ፖለቲካዊ ምህዳር እታ ሃገር ተመሊሱ ካልእ ግፍዒ ክፍፅም ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም እዮም።
ቀፂሉ ኣልቡርሃን ካብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ኣብ ሰራዊት እታ ሃገር ምምዕርራይ ክግበር ዝቐርቡ ፃውዒታት ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ፦ ጉዳይ ሰራዊት ሱዳን ንፖለቲካዊ ሓይልታት ዝምልከት ከምዘይኮነ ብምግላፅ ተቐባልነት የብሉን ክብሉ ነፂጎሞ እዮም። ወሲኾም ድማ ሰራዊት ስዳን ዓወታት የመዝግብ ከምዘሎ ብምግላፅ ነዚ መርኣያ ድማ ንግዝኣታታት ኣል-ጃዚራ፣ ዋይት ናይልን ካርቱምን ካብ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ ነፃ ምውፅኡ ጠቒሶም እዮም።
ኣል ቡርሃን ነዚ መልአኽቲ ዘመሓላልፉ ዘለው ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ኣብ ክልላት ብሉ ናይልን ሰሜን ኮርዳፋንን እናተኻየደ ኣብ ዘለሉ እዋን ኮይኑ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኤል-ኦቤድ ኣብ ዝተብሃለት ቦታ ብክልቲኦም ሓይልታት ብዝፍፀሙ መጥቃዕታት 23 ንፁሃን ዜጋታት ከምዝተቐተሉ ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜናታታት ዓለም ኣብ ዝፀብፀባሉ እዋን እዩ።
ኲናት ሕድ ሕድ ሱዳን ናብ ጥቓ ግዝኣታት ደቡባዊ ኢትዮጵያ እናተፀገዐ ከምዘሎ ዝፍለጥ እንትኾን ዛጊድ ንኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዝቐረበ መፍትሒ የለን።



Leave a Reply