ሰራዊት ሱዳን ኣብ ግምባር ደቡባዊ ኮርዳፋን ወሰንቲ ወታሃድራዊ ዓወታት ከምዝሓፈሰ ተሓቢሩ።

ሰራዊት ሱዳን ትማሊ ሶኒ ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ምስ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ (RSF) ድሕሪ ዘካየዶ ብርቱዕ ኵናት ንስትራቴጂካዊት ከተማ ሃቢላ ከምዝተቖፃፀረ ሱዳን ቱሪቡን ፀብፂቡ።

ብጀነራል ኣብደል-ፋታህ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ንከተማ ሃቢላ ንምቁፅፃር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣንፃር ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ (RSF)ን መሻርኽቲ እዚ ዕጡቕ ሓይሊ RSF ከምዝኾነ ዝተገለፀ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን (Sudan People’s Liberation Movement-North (SPLM-N) ምስ ዝተብሃለ ሓይሊ ከቢድ ኲናት እናካየደ ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ዕለት 18 ጥሪ 2018 ዓ/ም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ከምዘውዓላ ሱዳን ቱሪቡን ፀብፂቡ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰራዊት ሱዳን ኣብዚ ግምባር የካይዶ ብዘሎ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ንዝኾነት ዲሊንግ ዝተብሃለት ካልአይቲ ዓባይ ከተማ እቲ ዞባ ዝኾነት ከተማ ብምቁፅፃር ንክባ RSF ንመሻርኽቱ SPLM-Nን ከምዝሰበሮ ተገሊፁ እዩ።

ንወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ጠቒሱ ሱዳን ቱሪቡን ወሲኹ ከምዝፀብፀቦ ድማ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ዘካየዶ ወታሃድራዊ ሰርሒት ካብ ከተማ ዲሊንግ ምስ ሰሜን ኮርዶፋን ዘተኣሳስራ ምብራቓዊ ፅርግያ ከምዝተቖፃፀረን ካብዚ ቀፂሉ እውን ንከተማ ሃቢላ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ንምውዓል ከምዝኸኣለ ሓቢሩ እዩ።

ከም ፀብፃብ ሱዳን ቱሪቡን እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ከምዝገለፆ ሰራዊት ሱዳን ብዘካየዱ መጠነ ሰፊሕ ወታሃድራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቲ “ኣሸበርቲ ምልሻታታ ዳጋሎ” ክብል ዝገለፆም ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ (ሓይልታት ቁልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ) ዝበሃሉ ዕጡቓትን ቁፃራት (Mercenaries)ዕጡቓቱን ሰፊሕ ዓወት ከምዘመዝገቡ ዝገለፀ ኮይኑ ፤ እዞም ዕጡቓት እዚኦም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት እቲ ከባቢ ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት የብፅሑ ከምዝነበሩ ተዛሪቡ እዩ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ እዞም ዕጡቓት ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ከቢድ ንዋታዊን ሰብኣውን ኪሳራ ከምዘብፀሐ ዝገለፀ እንትኾን ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዘንሳሕቡ ዘለው ዕጡቓት ፅዑቕ ደብዳብ ሓይሊ ኣየር የካይድ ከምዘሎ ገሊፁ እዩ።

እዚ ወታሃድራዊ ዓወት ሰራዊት ሱዳን ቀፂሉ ኣብ ትሕቲ እዚ ዕጡቕ ንዘላ ከተማ ካዲጉሊ ንምቁፅፃር ወሳናይ ተራ ከምዝፃወት ዝተገለፀ እንትኾን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ህዝቢ ሱዳን ሓጎሱ እንዳ ገለፀ ከምዝርከብ እናተገለፀ እዩ።

ኲናት ሱዳን ካብ ዝጅምር 3ተ ዓመት ንከቑፅር ኣዋርሕ ተሪፍዎ ዘሎ እንትትኾን ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ እዋን ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ተደፊኡ ብምውፃእ ኣብ ፖርት ሱዳን ተቐሚጡ እናመከተ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም መሊሱ ምቁፅፃሩ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ መንግስትነቱ ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ካርቱ ከምዝመለስ ብዕሊ ገሊፁ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ብኢመራት ዓረብ ዝድገፍ ዕጡቕ ሓይሊ RSF ብግድኡ ኣብ መጀመርያ እቲ ኲናት ዝተቖፃፀሮም ከባብታት ቀስ ብቀስ እናተሓደገ ዝቕፅል ዘሎ እንትኾን ኢመራት ዓረብ ብኢትጵያ ኣቢላ እተቕረበሉ ድጋፍ ዘእትወሎም መስመራት እውን ብሰራዊት ሱዳን እናተሓደገ ከምዘሎ እናተገለፀ እዩ።

ኣብዚ ኲናት ን ዕጡቓት RSF ደጊፋ እናተሳተፈት ዘላ ኢመራት ዓረብ ብግደኣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ቁፅፅር ንምዕባይ ምስ ሱዕዲ ዓረብ ከቢድ ንሕንሕ እናካየደት ዘላ እንትትኾን ፤ ብድጋፍ ኢመራት ንምብራቓዊ ከባብታት የመን ተቖፃፂሩ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሰሜናዊ ባይቶ ስግግር (Southern Transitional Council) (STC) ዝተብሃለ ሓይሊ ብ ስዑዲ ዓረብ ብዝድገፍን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ብዘለዎን ፕረዚዳንትታዊ መንንግስቲ እታ ሃገር (Presidential Leadership Council) (PLC) ተሳዒሩ ካብ ከተማ ኣደን ከምዝወፅአ ዝዝከር እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ሶማልያ እውን ምስ ኢመራት ዓረብ ዝነበሮ ናይ ምክልኻልን ፀጥታውን ትሕብብር ምቁራፁ ስዒቡ ኣፅዋራታን ወታሃደራታን ካብ ቦሳሶ ሓዊሱ ካብ ብርክት ዝበሉ ከባብታት ሶማልያ ምውፅኣ ዝዝከር እንትኾን ፤ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ኳታር ተመሳሳሊ ውዕሊ ከምዝተፈራረሙ ኣፍሊጡ እዩ።

ብሓፈሻ ምንቅስቓስ ኢመራት ዓረብ ጠቕሊልካ እንትርአ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሩ መሻርኽታ ምድኻሞሞ ስዒቡ ቁፅፅራ እናተዳኸመ ይመፅእ ምህላው ዘመላኽት እንትኾን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ድማ ኣብ ምጥንኻር ትርከብ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading