ሓይልታት ቅልጡፍ ውሃብቲ ደገፍ (RSF) ኣብ ከባብታት ምዕራብ ኮርዶፋን ግፍዕታት ይፍፅሙ ከምዘለው ተገሊፁ።

ሓይልታት ቅልጡፍ ውሃብቲ ደገፍ (RSF) ኣብ ከባብታት ምዕራብ ኮርዶፋን ግፍዕታት ይፍፅሙ ከምዘለው ተገሊፁ።

ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄሚቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ቅልጡፍ ውሃብቲ ደገፉ (RSF) ኣብ ምዕራባዊ ክልል ኮርዶፋን ኣብ ትርከብ ኤል- ናሁድ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዝተፈላለዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ምግፋዕን ይፍፅም ምህላው መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ቱሪቡን ፀብፂቡ።

ሓይልታት RSF ንከተማ ኤል-ናሁድ ኣብ ሰነ 2025 ዝተቖፃፀርዋ ኮይኖም፤ ኣብታ ከተማ ብርክት ዝበሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ከምዝፈፀሙን ብዚ ምኽንያት ድማ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ከምዝተሰደዱ ገሊፁ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ግንባራት ክልል ኮርዶፋን ንዘሎ ውግእ ዝሕግዙ ሓደሽቲ ሰራዊቱ ካብ ዳርፉር የእቱ ከምዘሎ እቲ መርበብ ሓበሬታ ዘመላኸተ እንትኾን፤ ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፍፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተጋደዱ ተገሊፁ እዩ። ሓይልታት ቅልጡፍ ውሃብቲ ደገፉ (RSF) እዚ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ግምባራት ሰሜን ኮርዶፋን ኣብ ዘካየዶም ውግኣት ቁልፊ ቁልፊ ካብ ዝበሃሉ ቦታታት ማለት እውን ናብ ዋና ከተማ ካርቱም ካብ ዝወስዱ መሰመራት ብሰራዊት ሱዳን ተሳዒሮም ከንሳሕቡ ምግዳዶም ስዒቡ ከምዝኾነ እዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ብኣልቡርሃን ዝምርሑ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ወርሒ ሓምለ ብዘካየዶም ተኸታተልቲ ናይ ምድርን ሰማይን ወታሃድራዊ መጥቃዕቲታት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክልላት ሰሜን ኮርዶፋን፣ ሰሜን ዳርፉር፣ ብሉናይልን ዋይት ናይልን ንሓይልታት RSF ከልቅቖም ክኢሉ እዩ። ብመሰረት እዚ ድማ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ክልል ሰሜን ኮርዶፋን፥ ባራ፣ ጃባራ፣ ኣል ሼይክን ኡም ሳያላን ዝተብሃሉ ከባብታት፤ ኣብ ክልል ብሉ ናይል ኩምሩክን ዙርያኣን፤ ከምኡ እውን ኣብ ሰሜናዊ ክልል ዳርፉርን ዋይት ናይልን እውን ብርክት ዝበሉ ከባብታት ካብ ሓይልታት RSF ክምንጥል ክኢሉ እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ሰራዊት ሱዳን ካብ ኤል-ኦቤድ ንኣንፈት ምዕራብ ብምንቅስቓስ፡ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት RSF ዘላን ንዋና ከተማ ካርቱም ምስ ዳርፉር ዝተራኽብ ከተማ ኤል-ናሁድ ንምቁፅፃር ይፍትን ምህላው ስዒቡ ሓይልታት RSF ናብዛ ከተማ ካብ ዳርፉር ተወሳኺ ሰራዊት እናእተው ከምዘለው መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ቱሪቡን የመላኽት።

ሓይልታት RSF ኣብ ዙርያ ከተማ ኤል-ናሁድ 9ተ ወታሃድራዊ ናቑጣታት ከምዘቐመጠ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ብዚ ድማ እቶም ወታሃደራት ኣብ መንገዲታትን ማእኸላት ዕዳጋን ዝተፈላለዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ይፍፅሙ ከምዘለውን ኢሉ’ውን ምስ ሰራዊት ሱዳን ርክብ ኣለኩም እዩ ብዝብል ንፁሃን ዜጋታት ይኣስሩን ይቐትሉን ከምዘለው ፀብፃባት እናሓበሩ እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ስታር ሊንክ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ኣገልግሎ ኢንተርኔት ምስኦም ንዝተሓባበሩ ጥራሕ ብምፍቃድ ዝተረፈ ዜጋ ከይጥቀም ኣቋሪፆሞ ከምዘለው ተገሊፁ እዩ።

ከተማ ኤል-ናሁድ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ካብ ዘለዋ ከተማታት እታ ዝዓበየት ማእኸል ዕዳጋን ኢንዱስትሪን ዝኾነት ከተማ እንትትኾን፤ ምምሕዳር ከተማ ሃማር ዝተብሃሉ ዓሌት ሱዳናውያን እውን እያ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ድማ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝበፅሕ ዘሎ በደል ደው ክብል፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ምቁራፅ ክኣቱን ዘጋታት ከለላ ዝረኽብሉ ኣገባብ ክፍጠርን ፃውዒቶም እናቕረቡ እዮም ዝርከቡ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading