ዕጡቕ ሂዝቦላህ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን መንግስቲ ሊባኖስን ዝተገብረ ስምምዐነት ምቁራፅ ተኹሲ ተቓዊሙ።
እስራኤል ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ሊባኖስ ኣንፃር ዕጡቕ ጉጅለ ሂዝቦላህ እናተዋግአት ዘላ እንትኾን፤ ኣሜሪካ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕላዊ ዝተገብረ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ኣፈራሪማተን እያ። ይኹን እምበር እዚ ስምምዕነት ኣብ ግዝኣት ሊባኖስ ዘሎ ሰራዊት እስራኤል መዓዝ ከምዝወፅእ ዘቐመጦ ግዜ ገደብ የብሉን።
ነዚ ስዒቡ ድማ መራሒ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ሂዝቦላህ ዝኾነ ናኢም ቃሲም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እስራኤል ንሙሉእ ግዝኣት ሊባኖስ ለቒቓ ክትወፅእ ኣለዋ ክብል ገሊፁ እዩ። ናኢም ቃሲም ወሲኹ ከምዝበሎ ድማ እስራኤል ኣብ ግዝኣት ሊባኖስ ክሳብ ዝሃለወትሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካይዶ መጥቃዕቲ ከምዘይቋርፅ ኣፍሊጡ እዩ።
ሂዝቦላህ፡ እስራኤል ንግዝኣት ሊባኖስ ምውራር ክተቋርፅን ዝግበር ዝኾነ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ድማ ዝሓዘቶም ግዝኣታት ለቒቓ ክተወፅእ ዝገብር ክኾን ኢና ንደሊ ዝበለ እንትኾን፤ እዚ ዘይከውን እንተኾይኑ ግን ኣንፃር እስራኤል ዘካይዶም ውግኣት ከምዝቕፅል ኣረዲኡ እዩ።
ናኢም ቃሲም ወሲኹ ድማ ወታሃደራት ሂዝቦላህ ብእስራኤል ካብ ደቡባዊ ሊባኖስ ወፂኦም ማለት ኢዶም ሂቦም ወይ ተሳዒሮም ወይ እውን ዕላማ ፀላኢ ሾትኡ ወቒዑ ማለት ኣይኮነን ብምባል ኣንፃር እስራኤል ዝገብሮ ምንቅስቓስ ከምዘየቋርፅ ሓቢሩ እዩ።
ሂዝቦላህ ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ልዕሊ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ሊባኖስ ዝርከቡ ወታሃደራት እስራኤል መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዘካየደ መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ዝፀብፀበ ኮይኑ፤ ብተመሳሳሊ እስራኤል እውን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሂዝቦላህ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዳ እያ።
ቅድም ክብል ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ ከምዝበሉዎ ስራዊቶም ሐዚ እውን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዘካይዶ ዘሎ ወታሃደራዊ ወፍሪ ከምዝቕፅልን ናብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝምለሱ ተመዛበልቲ ከምዘይህልውን ኣፍሊጦም ምንባሮም ፀብፃብ ፋይናንሻል ታይምስ የመላኽት።
እዚ ኲናት ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ መዋሊት ዕጡቓት ሂዝቦላህ ዝኾነት ዘካየዱው መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተጀመረ እንትኾን፤ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን ሂዝቦላህ ናብ እስራኤል ሮኬታት ምቱኳስ ምጅማሩ ስዒቡ እስራኤል ናብ ግዝኣት ሊባኖስ ኣትያ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረት ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ሊባኖስ ክልተ ወታሃደራዊ ክንፊ ዘሎ እንትኾን ንሶም ድማ እቲ ሓደ ዕጡቕ ሂዝቦላህ ዝእዝዞ ወታሃደራዊ ክንፊ እንትኾን፤ ብኻልእ ገፅ ድማ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ሊባኖስ ዝእዝዞ ሰራዊት እታ ሃገር እዩ። ሂዝቦላህ ኣብ ፓርላማ ለባኖስ ወንበር ዘለዎ ፖለቲካዊ ውድብ እንትኾን ካብ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ብዝረኽቦ ሓገዝ ምስ እስራኤል ሓዊሱ ዓበይቲ ወታሃደራዊ ስጉምቲታት ካብ ትእዛዝን ፍቓድን መንግስቲ እታ ሃገር ወፃኢ ዝወስድ፣ ካብ ስነ ሓሳብ መንግስቲ እታ ሃገር ዝተፈለየ ብሽዓ እስልምና ዝምራሕ ሰርዓተ መንግስቲ ዝጠልብ ከምኡ’ውን ኣንፃር ፅዮናውያን እናበለ ዝፅወዖም እስራኤልን ኣሜሪካን ዝንቀሳቐስ ብናይ ባዕሉ ተቦግሶ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ እዩ።
ብፍላይ እስላማዊት ሪፐብሊክ ኢራን ኣብ 1980 ድሕሪ ምምስራታ ምስ ኢራን ጥቡቕ ዝምድና ፈጢሩ ፖለቲካውን ወታሃድራውን ድጋፍ እናተገበረሉ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ እዩ መንግስቲ ሊባኖስ ድማ ምዕራባውያን ሃገራት ንኣሜሪካ ሓዊሱ፤ ከምኡ’ውን ኣንፃር ኢራን ዝኾና ሃገራት ዓረብ ይድግፈኦ።



Leave a Reply