Tag: #Middle_East
-
ኢራን ናይ ኣሜሪካ ሄልኮፕተር ወቒዓ ከምዘውደቐት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም፤ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ሂባ።

ኢራን ናይ ኣሜሪካ ሄልኮፕተር ወቒዓ ከምዘውደቐት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም፤ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ሂባ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ እናተንቀሳቐሰት ዝነበረት ሄልኮፍተር ብኢራን ተወቒዓ ከምዝወደቐት ብምፍላጥ፤ ነዚ ስጉምቲ ኢራን ኣሜሪካ ግብረመልሲ ክትህበሉ ከምዝግባእ ገሊፆም። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝበልዎ ኢራን ንሰሉስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ጥቓ ሃገረ ኦማን ኣብ መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ክትትል ንምግባር እናተንቀሳቐሰት ዝነበረት…
-
ኣሜሪካን ኢራንን ብነፈርቲን ሚሳኤልን ከም ዝተጠቓቕዓ ተገሊፁ።

መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ሒዙዎ ዝወፀ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣሜሪካን ኢራንን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ክፈራረማ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ዓርቢ ብኣየርን ሚሳኤልንመጥቃዕቲ ከምዝተለዋወጣ ፀበፂቡ። ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝከታተል ዘሎ ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከም ዝገለፆ ኣብ መስመራት ንግዲ ባሕሪ ስግኣት ፈጢረን ዝነበራ 4 ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ሻሄድ-136 ዝዓይነተን ድሮናት ኢራን ወቒዑ…
-
ዕጡቕ ሂዝቦላህ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን መንግስቲ ሊባኖስን ዝተገብረ ስምምዐነት ምቁራፅ ተኹሲ ተቓዊሙ።

ዕጡቕ ሂዝቦላህ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን መንግስቲ ሊባኖስን ዝተገብረ ስምምዐነት ምቁራፅ ተኹሲ ተቓዊሙ። እስራኤል ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ሊባኖስ ኣንፃር ዕጡቕ ጉጅለ ሂዝቦላህ እናተዋግአት ዘላ እንትኾን፤ ኣሜሪካ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕላዊ ዝተገብረ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ኣፈራሪማተን እያ። ይኹን እምበር እዚ ስምምዕነት ኣብ ግዝኣት ሊባኖስ ዘሎ ሰራዊት እስራኤል መዓዝ ከምዝወፅእ ዘቐመጦ ግዜ ገደብ የብሉን። ነዚ ስዒቡ…
-
ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዝፍፅምዎ ዘለው ስምምዕነት ዝምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነኦም ኣብ ምምሕልላፍ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኣሜሪካ ምስ ኢራን ድርድር እናካየደት ዝፀንሐት እንትኾን፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተፈራሪመንኦ ዝነበራ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንክቕፅልን ወሽመጥ ሆርሙዝ ንክኽፈትን ዝብሉ ነጥብታት ዘካተተ ውዕሊ ንምፍርራም ከምዝተቓረባ ተሓቢሩ እዩ። ይኹን እምበር ኢራን ዝተዛዘመ ውዕሊ የለን ክትብል ኣጠንቂቓ እያ። ከይዲ ድርድር ክልቲአን ሃገራት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ዝተብሃለ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ከምዝበሎ “ኢራን ኒውክለራዊ ኣፅዋር ክትውንን…
-
ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ሕፀረት ቀረብ ነዳዲ ሃገራት ምምዕባል ሓይሊ ኒውክለር ከምመማረፂ ክጥቀማ ይግደዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ሕፀረት ቀረብ ነዳዲ ሃገራት ምምዕባል ሓይሊ ኒውክለር ከምመማረፂ ክጥቀማ ይግደዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንግስታት ዝያዳ ርጉእን ትሑትን ወፅኢታት ዘለዎም ምንጪ ፀዓት ኣብ ዝደልዩሉን ቅድሚ ሕጂ ንኣቶሚካዊ ሓይሊ ዝነበረ ተቓውሞ ዳግማይ ኣብ ዝሓስቡሉን ዘለዉ እዋን፡ ኢንዱስትሪ ኒዩክለር ነቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዶናልድ ትራምፕ ክቕፅል ገይርዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ ኣብ…

