ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዝፍፅምዎ ዘለው ስምምዕነት ዝምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነኦም ኣብ ምምሕልላፍ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኣሜሪካ ምስ ኢራን ድርድር እናካየደት ዝፀንሐት እንትኾን፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተፈራሪመንኦ ዝነበራ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንክቕፅልን ወሽመጥ ሆርሙዝ ንክኽፈትን ዝብሉ ነጥብታት ዘካተተ ውዕሊ ንምፍርራም ከምዝተቓረባ ተሓቢሩ እዩ። ይኹን እምበር ኢራን ዝተዛዘመ ውዕሊ የለን ክትብል ኣጠንቂቓ እያ።

ከይዲ ድርድር ክልቲአን ሃገራት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ዝተብሃለ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ከምዝበሎ “ኢራን ኒውክለራዊ ኣፅዋር ክትውንን ከምዘይብላ፣ ወሽመጥ ሆርሙዝ ብቁልጥፍ ክትኸፍትን ብወሽመጥ ሆርሙዝ ኣብ ዝሓልፋ መራኽብ ዕንቅፋት ንከይፍጠር ኣብ ምግባር ክትስማዕማዕ ከምዘለዋ ገሊፆም።

ስምምዕነት ክልቲአን ሃገራት እቲ ጎሮሮ ህዝቢ ዓለም ዝኾነ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንከኽፍት ሰፊሕ ትፅቢት እናተገበረሉ ዘሎ እንትኾን፤ ናብ ስምምዐነት ዝበፅሓሉ ተስፋ ብምፍጣሩ እኳስ ዛጊድ ዋጋ ነዳዲ ብ1.8 ሚኢታዊ ንክቕንስ ገይርዎ ይርከብ።

ጠለብ ኣሜሪካ ካብ ኢራን ኒውክለራዊ ኣፅዋር ንምስራሕ እናማዕበለቶ ዝነበረት ዩራንየምን ክትጥፍእ ነዚ ድማ ትካል ዓለም ለኸ ኣቶሚክ ኢነርጂ ኣሜሪካን ኢራን ባዕላን ኣብዝተረኸብሉ ንክተረጋግፅ ዝብል ኮይኑ፤ ብካልእ መዳይ ድማ ትራምፕ ካልእ መምርሒ ክሳብ ዝመፅእ እገዳታት ኢራን ከምዘለውዎ ክቕፅሉ ኣፍሊም እዮም።

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ትማሊ ዓርቢ ከምዝበልዎ ድማ “መልአኽቲታት እናተዘዋወሩ ንርኢ ኣለና ኢና ዝተፈፀመ ውዕሊ ግን የለን” ክብል ገሊፁ እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ብግድኦም ምስ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወፃኢ ኦማን ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ ኣሜሪካ እናቕረበቶም ዘላ ትርፊ ጠለባትን ክትሓድግ ከምኡ እውን ተፃረርቲ ቅዋማትን ካብ ምሓዝ ክትቁጠብ ይግባእ ክብሉ ምግላፆም ፋይናንሻል ታይምስ ፀብፂቡ እዩ።

ፋርስ ኒውስ ኤጀንሲ ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ኢራን ከምዝፀብፀቦ ድማ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ምምዕባል ነውከለራዊ ኣፅዋር ኢራን ዘልዕልዎም ዘለው ሓሳባት መሰረት ኣኣልቦ እዮም ክብል ዝፀብፀበ እንትኾን፤ ንሓደ ሽሙ ክጠቕሶ ዘይደለየ ዲፕሎማት ሓቲተ ረኺበዮ ብዝበሎ መልሲ መሰረት ድማ ርኢቶ ትራምፕ “ሕውስዋስ ሕሶትን ሓቅን እዩ” ክብል ፀብፂቡ እዩ።

ብተወሳኺ ኢራን ምስ ኣሜሪካ ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ እናደገፈት ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላህን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንክግበር ከም ቅድመ ኩነት ክተልዕሎ ከም እትኽእል እውን እናተገለፀ እዩ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ናብ ስምምዕነት ከምዝተቛረበ እናተገለፀሉ ዘሎ ድርድር ኣሜሪካን ሐዚ እውን ብዘይ ዝኾነ ጭቡጥ ውፅኢት እናቐፀለ ዘሎ እንትኾን፤ ውፅኢት እዚ ድርድር ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዝለዓለ ፅልዋ ስለ ዘለዎ ድማ ትፅቢት ዝግበረሉ ፍፃመ ገይርዎ ኣሎ።

ይኹን ድኣ እምበር ዛጊድ ብወገን ክልቲአን ሃገራት ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ዝውዕሉ ነጥብታታት ካብ ምውዛዕ ወፃኢ ዝተፈረመ ውዕሊ የለን።

ኣብዚ ድርድር እንድሕር ናብ ስምምዕት በፂለን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ እገዳታት ቀስ ብቀስ ክተልዕል ኢራን እውን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ንክትኸፍት ትፅቢት ዝግበር ኮይኑ፤ ምኽፋት መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ድማ ንህዝቢ ዓለም ዓብዪ እፎይታ ዝፈጥር ጉዳይ እዩ።

ምዕፃው መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ሕፅረት ቀረብ ነዳዲን ናህሪ ዋጋን ብምስዓቡ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ከቢድ ቁጠባዊ ምንጋዕ ፈጢሩ ምህላው ዝፍለጥ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading