Tag: #ማእኸላይ ምብራቕ
-
ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ኤደን ዘጋጥሙ ናይ ባሕሪ ሽፍትነትከምዝተበራኸቱ ተሓቢሩ።

ምዕፃው መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ስዒቡ መስመር ንግዲ ባሕሪ ብ መሰመር ቀይሕ ባሕሪ ከምመማረፂ ኣብ ጥቕሚ እናዋዓለ እንትኾን፤ እዚ ድማ መብዛሕተኦም ናይ ባሕሪ ፀጥታ ዝከታተሉ ሓይልታት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዓበይቲ ሃገራትን ናብ ወሽመጥ ሆርሙዝን ማእኸላይ ምብራቕን ምዝውዋሮም ስዒቡ ሶማልያውያን ሸፋቱ ባሕሪ ኣብዚ ናይ ቀይሕ ባሕሪ መስመር ስግኣት ፀጥታ ከምዝፈጠሩ ተሓቢሩ። ድሕሪ ምዕፃው መስመር ንግዲ ወሽመጥ…
-
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ድሕሪ እቲ ዝፈረምኦ መረዳድኢ ውዕሊ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ተገሊፁ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ተገሊፁ። ኣሜሪካ ነዚ መጥቃዕቲ ዘካየደትሉ ምኽንያት ድማ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኮንተይነራት ፅዒና ብወሽመጥ ሆርሙዝ እናሓለፈት ኣብ ዝነበረት መርከብ ንዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ድሮን ግብረመልሲ ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ ፋይናንሻል ታይምስ ፀብፂቡ። ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን መጋዘናት ሚሳኤልን ድሮናትን፣ ናይ ራዳር ሰርዓትን መጥቃዕቲ ከምዘካየደ…
-
ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዝፍፅምዎ ዘለው ስምምዕነት ዝምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነኦም ኣብ ምምሕልላፍ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኣሜሪካ ምስ ኢራን ድርድር እናካየደት ዝፀንሐት እንትኾን፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተፈራሪመንኦ ዝነበራ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንክቕፅልን ወሽመጥ ሆርሙዝ ንክኽፈትን ዝብሉ ነጥብታት ዘካተተ ውዕሊ ንምፍርራም ከምዝተቓረባ ተሓቢሩ እዩ። ይኹን እምበር ኢራን ዝተዛዘመ ውዕሊ የለን ክትብል ኣጠንቂቓ እያ። ከይዲ ድርድር ክልቲአን ሃገራት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ዝተብሃለ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ከምዝበሎ “ኢራን ኒውክለራዊ ኣፅዋር ክትውንን…
-
ፕረዚደንት ትራምፕ ንቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ይሰርሑ ከምዘለው ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ይሰርሑ ከምዘለው ተገሊፁ። ፖረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ቅልውላው ብሰላማዊ ድርድር ንምፍታሕ ዘኽእሉ ኣማራፅታት ምፍጣሮም ንምርግጋፅ ይፅበዩ ከምዘለው ዋና ስትራተጂስት ፎሮም ማእኸለላይ ምብራቕ ጂም ሃንሰን ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብዘነበሮም ፃንሒት ገሊፆም። ጂም ሃንሰን ኣብ ፃነሒቶም ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ድማ ትራምፕ ነዚ ቅልውላው ብሰላማዊ ድርድር…
-
እስራኤል ሎሚ ሮብዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ ሓያሎ መጥቃዕቲታት ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ።

እስራኤል ሎሚ ሮብዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ ሓያሎ መጥቃዕቲታት ከምዝኸፈተት ኣፍሊጣ። እስራኤል ምስ ኣሜሪካ ብሓባር ብምዃን ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚረን ኣብ ሌዕሊ ኢራን ንኣያቶላህ ኣሊ ኻሜኒ ሓዊሱ ቁልፊ ቁልፊ ወታሃድራዊ መራሕትን ተመራመርቲ ምምዕባል ኒውክለራዊ ኣፅዋር ኢራንን ዝተቐተልሉ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕትታት ዘካየዳ እንትኾና ሎሚ ረቡዕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሰኽቲ መጥቃዕታት ከምዘኸፈተት ኣፍሊጣ ኣላ። ኢራን ንዝበፅሓ መጥቃዕቲ…
-
ዶ.ር ቴድሮስ አድሓኖም ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ኣብ ሳውዲ ሆስፒታል ከምዝፈፀምዎ ብዝተሓበረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 460 ሰባት ሙማቶም ከምዘደንገፆም ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ኣብ ሳውዲ ሆስፒታል ከምዝፈፀምዎ ብዝተሓበረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 460 ሰባት ሙማቶም ከምዘደንገፆም ገሊፆም። ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሃሚቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ሱዳን ንከተማ ኣል-ፋሽር ድሕሪ ምቁፅፃሮም ሳውዲ ናብ ዝተብሃለ ሆስፒታል እታ ከተማ ብምእታው ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ ዋና ዳይሬክተር…
-
ኣሜሪካ ብዘካየደቶ ደብዳብ ኣብ ናይ ኢራን ኒውክሌራዊ ትሕዝቶታት ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ ናይ ድሕንነት ግምገማታት ኣመላኺቶም።

ኣሜሪካ ብዘካየደቶ ደብዳብ ኣብ ናይ ኢራን ኒውክሌራዊ ትሕዝቶታት ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ ናይ ድሕንነት ግምገማታት ኣመላኺቶም። ኣሜሪካ ኣብ ኢራን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ናይ ኒውክለር መማዕበሊ ትሕዝቶታት ኢራን ከምዘይዕነወ ማእኸል ምክልኻል ኣሜሪካ (ፔንታጎን) ኣርእዩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።እቲ ገምጋም ከምዘመላኽቶ እቲ መጥቃዕቲ ንናይ ኢራን ኒውክለር ፕሮግራም ምናልባት ብኣወርሕ ንድሕሪት ካብ ምምላስ ዝዘለለ ጉድኣት ከምዘይብፅሐ ተሓቢሩ። ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም…
-
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ናይ ኒውክለር ትካላት ኢራን ደብዳብ ኣካይዳ።

ኣሜሪካ ኣብ ናይ ኢራን ሰለስተ ናይ ኑኩለር ትካላት ደብዳብ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ። ብተመሳሳሊ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን ፎርዶ ናይ ኒኩለር ትካል ብፀላኢ መጥቃዕቲ በፂሕዎ ክብላ ፀብፂበን እየን። ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ንፎርዶ ሓዊሱ ኣብ ናይ ኢራን ሰለስተ ናይ ኒውክለር ትካላት ከምዝደብደቡ ኣፍሊጦም። ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ወታሃድራዊ ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ፎርዶ ፣ ናታንዝን ኢስፈሃን ዝርከቡ ናይ ኢራን…
-
ኢራን ብእስራኤል ንዝበፅሓ መጥቃዕቲ ናብ ከተማታት እስራኤል ልዕሊ 150 ሚሳኤላት ብምትኳስ ግብረመልሲ ሂባ።

ኢራን ብእስራኤል ንዝበፅሓ መጥቃዕቲ ናብ ከተማታት እስራኤል ልዕሊ 150 ሚሳኤላት ብምትኳስ ግብረመልሲ ሂባ። ኢራን ብናይ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ንዝበፅሓ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ እዩ ዝበለቶ ናይ ባለለስቲክ ሚሳኤል መጥቃዕቲ ኣብ ከተማታት እስራኤል ኣካይዳ ኣላ። ከምፀብፃብ ኣልጀዚራ፥ ኢራን 3ይ ሓቀኛ ቃል ኪዳን ክትብል ዝሰየመቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እስራኤል ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እስራኤል…
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ናይ ኒኩለር ጣብያታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓያል መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ናይ ኒኩለር ጣብያታትን ሓያል መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ። በዚ ከቢድ መጥቃዕቲ ሓላፊ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኢራን ሆሰይን ሳላሚ ከምዝተቐተሉ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን ፀብፂበን። እስራኤል (operation raising lion) ክትብል ብዝሰየመቶ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከቢድ ዕንወት ዘብፅሐ መጥቃዕቲ ኣካይዳ ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኢራን ንናይ እስራኤል…

