ኣሜሪካ ኣብ ናይ ኢራን ሰለስተ ናይ ኑኩለር ትካላት ደብዳብ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ። ብተመሳሳሊ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን ፎርዶ ናይ ኒኩለር ትካል ብፀላኢ መጥቃዕቲ በፂሕዎ ክብላ ፀብፂበን እየን። ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ንፎርዶ ሓዊሱ ኣብ ናይ ኢራን ሰለስተ ናይ ኒውክለር ትካላት ከምዝደብደቡ ኣፍሊጦም።
ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ወታሃድራዊ ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ፎርዶ ፣ ናታንዝን ኢስፈሃን ዝርከቡ ናይ ኢራን ጣብያታት ኒውክለር ብጣዕሚ ዝተሳኽዑ መጥቃዕቲታት ከምዘካየዱን ሐዚ ኩለን ኣውሮፕላናት ካብ ናይ ኢራን ኣየር ክልል ወፃኢ ከምዝርከባን ገሊፆም። ኣብቲ መጥቃዕቲ ቢ-2 ዝተብሃላ ኣሜሪካ ብብሕታውነት እትውንነን ኣውሮፕላናት ከምዝተሳተፋ ተሓቢሩ።
ትራምፕ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ትሩዝ ኣብ ዝብሃል ማሕበራዊ መራኸቢ ኣድራሽኦም ናይ ኢራን ኒኩለር ፕሮግራም ዘውዲ ዝኾነ ፎርዶው ጠፊኡ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።
ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ወሲኾም ኢራን ናብ ሰላም ወይ ድማ ናብ ዝኸፍአ መንገዲ ክትጓዓዝ እያ ክብሉ ዝገለፁ እንትኾኑ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ መዓልትታት ካብ ዝርአናዮም ዝሓሸ ወይ ድማ ንኢራን መሕዘኒ ነገር ክህሉ እዩ ክብሉ መጠንቀቕታ ዝመስል መልአኽቲ ኣመሓላሊፎም እዮም።
ብተወሳኺ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ነዚ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣሜሪካ ኣብ ናይ ኢራን ናይ ኒውኩለር መብላዕልዒ ትካላት ሰጉምቲ ምውሳድ ምጅማራ ን ናይ ዓለም ሰላም ፀጥታን ቀጥታዊን ዓብዪን ስግኣት ዝፈጥር እዩ ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ብጠቕላላ 400 ሰባት ከምዝተቐተሉዋን ከባቢ 3056 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉዋ ኢራን ኣፍሊጣ።



Leave a Reply