እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ናይ ኒኩለር ጣብያታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓያል መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ናይ ኒኩለር ጣብያታትን ሓያል መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ። በዚ ከቢድ መጥቃዕቲ ሓላፊ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኢራን ሆሰይን ሳላሚ ከምዝተቐተሉ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን ፀብፂበን።

እስራኤል (operation raising lion) ክትብል ብዝሰየመቶ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከቢድ ዕንወት ዘብፅሐ መጥቃዕቲ ኣካይዳ ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኢራን ንናይ እስራኤል ህልውና ሰግኣት ከምዝኾነት ዝገለፁ እንተኾን ኢራን ዓፀፋዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል ብምግላፅ እስራኤል ኣወጅ ህፁፅ እዋን ኣመሓላሊፋ ኣላ።

በዚ መጥቃዕቲ ናይ ኢራን ኒክለራዊ ጣብያ ኣብ ምምዕባል ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ሓላፊ ትካል ኣቶሚክ ኢነርጂ ዝነበሩ ናይ ኒኩለር ሳይንቲስት ፍሬይዱን ኣባሲ ከምዝተቐተሉ እውን ተሓቢሩ ኣሎ። ካልእ በዚ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ኣብ ቴህራን ናይ ዝርከብ ኢስላሚክ የኒቨርስቲ ኣዛድ ፕረዚዳንትን ናይ ኒኩለር ሳይንቲስትን ዝነበሩ መህዲ ቴህራንቺ ከምዝተቐተሉ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ኢራን ኣሜሪካ ኣብቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ደጊፋ እያ ክትብል ዝኸሰሰት እንትትኾን ሚኒስትሪ ወፃኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማርኮ ርብዮ ኣሜሪካ ኣብዚ መጥቃዕቲ ከምዘይተሳተፈት ገሊፆም። ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም እቲ መጥቃዕቲ ከምዝካየድ ከምዝፈልጡ ኮይኑ ግን ሃገሮም ከምዘይተሳተፈት ንፎክስ ኒውስ ዝገለፁ እንትኾን ኢራን ናይ ኒኩለር ፕሮግራማ ንምቕናስ ምስ ኣሜሪካ ዝትገብሮ ድርድር ክትቅፅል ተስፋ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

“ኢራን ናይ ኒኩለር ቦምብ ክህልዋ ኣይግብኣን ብዚ ድማ ናብ ናብ ድርድር ክትምለስ ተስፋ ንገብር” ክብሉ ዶናልድ ትራምፕ ተዛሪቦም።

ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢራን እዚ መጥቃዕቲ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ናብ ስግኣት ኣቃሊዕዎ ኣሎ ዝበለ እንትኾን ኢራን ነዚ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ማሕበረሰብ ዓለም ከውግዞ ፃውዒት ኣቕሪባ ኣላ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading