ኣሜሪካ ብዘካየደቶ ደብዳብ ኣብ ናይ ኢራን ኒውክሌራዊ ትሕዝቶታት ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ ናይ ድሕንነት ግምገማታት ኣመላኺቶም።

ኣሜሪካ ብዘካየደቶ ደብዳብ ኣብ ናይ ኢራን ኒውክሌራዊ ትሕዝቶታት ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ ናይ ድሕንነት ግምገማታት ኣመላኺቶም።

ኣሜሪካ ኣብ ኢራን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ናይ ኒውክለር መማዕበሊ ትሕዝቶታት ኢራን ከምዘይዕነወ ማእኸል ምክልኻል ኣሜሪካ (ፔንታጎን) ኣርእዩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እቲ ገምጋም ከምዘመላኽቶ እቲ መጥቃዕቲ ንናይ ኢራን ኒውክለር ፕሮግራም ምናልባት ብኣወርሕ ንድሕሪት ካብ ምምላስ ዝዘለለ ጉድኣት ከምዘይብፅሐ ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 14 ሰነ 2017 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ኒውኩለር መማዕበሊ ናቑጣታት ብዘካየደቶም ደብዳባት ከምዘይዓነው ኢራን ኣፍሊጣ ዝነበረት እንትትኮን ኣሜሪካ ግን ፍፁም ዝተስሓሓተ ግምገማን ብዘይረብሑ ናይ ድሕንነት ማሕበረሰብ ዝተወዘዐ እዩ ክትብል ነፂጋቶ ምንባራ ይዝከር።

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም ናይ ኢራን ኒውክለራዊ ትሕዝቶታት ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዮም እዮም ብምባል ኣብ ታሪኽ ዕዉታት ካብ ዝኾኑ ወታሃድራዊ መጥቃዕቲታት ሓደ ዝኾነ ስርሒት ንምውራድ ብሚድያታት ዝካየድ ዘሎ ሙከራ እዩ ክብሉ ከሲሶም እዮም።

ኣሜሪካ ኣብልዕሊ ናይ ኒውክለር መማዕበሊ ናቑጣታት ማለት እውን ፎሮዶ ፣ ናታንዝን ኢስፋን ዝተብሃሉ ቦታታት “በንከር በስተር” ብዝተብሃሉ ብልዕሊ 60 ሜትር ናብ ትሕቲ መሬት ናይ ምእታው ተኽእሎ ብዘለዎም ቦምብታት መጥቃዕቲ ምፍፃማ ዝዝከር እዩ።

ይኹን እምበር ቢቢሲ ካብ ናይ ፔንታጎን ናይ ድሕንነት ግምገማ ዝፈልጡ ፍልፍላት ረኺበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ መሰረት ከምዝፀብፀቦ ናይ ኢራን ነውክለራዊ ትሕዝቶታት መማዕበሊ መብዛሕቲኦም ከምዘይተነኽኡን በቲ መጥቃዕቲ ዝበፅሐ ዕንወት ካብ መሬት ብላዕሊ ጥራሕ ዝተገደበ ከምዝኾነ ዝፀብፀበ እንትኾን ክልቲኦም ናይ ኒውክለር ትሕዝቶታት መእተዊኦም ተዓፅዩ ከምዝነበረ ብምጥቃስ ኣብ ሓደ ሓደ መሰረተ ልምዓታት ካብ ዝበፅሐ ዕንወት ወፃኢ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘለው መብዛሕቲኦም ትሕዝቶታት ካብቲ መጥቃዕቲ ከምዘምለጡ ፀብፂቡ እዩ።

ኢራን ብወገና ኣብቶም ናቖጣታት ዝነበረ ኽዝን ዩራንየም ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ናብ ውሕስ ቦታ ኣዘዋዊራቶ ከምዝነበረትን በቲ ደብዳብ ኣብልዕሊ ናይ ኒውክለር ፕሮግራማ ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ ምግላፃ እውን ይዝከር።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading