Tag: #ዶናልድ_ትራምፕ
-
ፕረዚደንት ሃገረ ኩባ ሚግየል ዲያዝ መንግስቶም ምስ ኣሜሪካ ይዝቲ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ሃገረ ኩባ ሚግየል ዲያዝ ካነል ኮሚኒስታዊ መንግስቶም ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ ዘንበረቶ እገዳ ንምፍታሕ ኣብ ዘተ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ካብ ሃገራት ሩስያን ቬንዝዮላን ናብ ኩባ ነዳዲን ፍልፍል ሓይሊ ዝኾኑ ነገራትን ዘጓዕዙ ትካላት እገዳ አመሓላሊፉ ምንባሩ ዝዝከር እንትኾን፤ ኣሜሪካ ምስ ኩባ ዝነበራ ርክባት እውን ሓርፉፋ ምኻኑ ዝፍለጥ እዩ።…
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

እስራኤል ሎሚ ንጉሆ ቅድመ ምክልኻል ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኤራን መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ብምግላፅ ኢራን ክትወስዶ ዝትኽእል ናይ ሕነምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሙሉእ እስራኤል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣመሓላሊፎም። ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ትዊተር ኣካውንቱ (X) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብመንፅር ህሉው ኩነታት፡ ካብ ሎሚ…
-
ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም( WHO) ከምዝወፀት ተገሊፁ።

ኣሜሪካ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢላ ብዝሃበቶ መጠንቀቅታ መስረት ካብ ኣባልነት ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ከምዝወፀት ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኻልኣይ ግዜ ስልጣን ኣብ ዝሓዝሉ እዋን ኣብ ናይ መጀመርያ ወርሖም ካብ ዝወሰድዎ ፕረዚደንታዊ ውሳኔታት ሓደ ዝኾነ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ናይ ምውፃእ ተበግሶ ሎሚ 15 ጥሪ 2018 ዓ/ም ተግባራዊ ኮይኑ…
-
“ግድብ ኣባይ ግብፃውያን ንሚልዮን ዓመታት ማይ ብዘይረኽብሉ ኣገባብ እዩ ተሰሪሑ።” ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዙርያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንክዛተዩ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚዳንት ሃገረ ግብፂ ኣብዱል ፋታህ ኣልሲሲን ከራኽቡዎም ከምዝደልዩ ተዛሪቦም። ትራምፕ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ World Economic Forum ምስ ፕረዚደንት ግብፂ ኣብደልፈ ፋታህ ኣልሲሲ ድሕሪ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ዘተ እዩ። “እዚ ግድብ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ዓበይቲ ግድባት…
-
ግብፂ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብፅን ኣብፂሕዎ እዩ ንዝበሎቶ ጉድኣት ኢትዮጵያ ክትክሕሰን ሓቲታ።

ግብፂ ንጉዳይ ህዳሴ ግድብ ኣመልኪታ እትጥቀመሎም ዝነበረት መከራኸርታት ብምቕያር እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ሱዳንን ኣብፂሕዎ እዩ ንዝበለቶ ጉድኣት ካብ ኢትዮጵያ ካሕሳ ንክወሃበን ሓቲታ። ሚኒስትሪ ሃፍቲ ማይን መስኖን ግብፂ ዝኾኑ ሀኒ ስዊለም ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብፂ ቀሪቦም ከም ዝተዛረብዎ ኣብ ሩባ ኣባይ ከም ግድብ ህዳሴ ዝበሉ ዓበይቲ ህንፀታት ብበየናዊ ኣገባብ…
-
ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዙዌላ ከበድቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጡ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዙዌላ ከበድቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጡ። ነዚ ስዒቡ ድማ ንቢቢሲ ሒዊሱ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለምና ኣብ ርእሰ ከተማ ቬንዙዌላ ካራካስ ከበድቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመ እናፀብፀባ ይርከባ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ትካላትን መደበር ሓይሊ ኣየርን ቬንዝዌላ ከም ዝተፈጸመ ዘርእዩ ዝተፈላለዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እናተዘርግሑ ይርከቡ። ኣሜሪካ ንፕረዚደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ…

