እስራኤል ሎሚ ንጉሆ ቅድመ ምክልኻል ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኤራን መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ብምግላፅ ኢራን ክትወስዶ ዝትኽእል ናይ ሕነምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሙሉእ እስራኤል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣመሓላሊፎም።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ትዊተር ኣካውንቱ (X) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብመንፅር ህሉው ኩነታት፡ ካብ ሎሚ ቀዳም ሰዓት 2፡00 ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሩ ኣብ መምርሒታት ፀጥታ እታ ሃገር ህፁፅ ለውጢ ክግበር ተወሲኑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ እዩ። እቲ ለውጢ ንኹሉ ከባቢታት እታ ሃገር ካብ ‘ምሉእ ምንቅስቓስ’ ናብ ‘ኣገዳሲ ምንቅስቓስ’ ዘሰጋግር እንትኾን እቲ መምርሒ ካብ ኣገደስቲ ምንቅስቓሳት ወፃኢ ዝግበር ንጥፈታት ትምህርቲ፡ ምትእኽኻባት፡ ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ ቦታታት ምቁራፅ ዘጠቓልል ምኻኑ ተገሊፁ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ኢራን ዘሎ “ሽበራዊ ስርዓት” ዘስዕቦ “ናይ ህላወ ሓደጋ ንምውጋድ” ወፍሪ ከምዝጀመረ ኣፍሊጦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝገለፅዎ ስርዓት ኣያቶላህ ን47 ዓመታት “ሞት ንእስራኤል” “ሞት ንኣሜሪካ” እናበለ ክጭድር ፀኒሑ እዩ ዝበሉ እንትኾን ፡ንፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ “ ዓብዪ መሓዛና” ብምባል፡ “ንታሪኻዊ መሪሕነቱ የመስግን” ክብሉ ንኢዶም።
ሃገራዊ ማዕኸን ዜና ኢራን IRINN ብግድኡ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ዘረጋገፀ እንትኾን፤ ኣብ ምብራቓውን ሰሜናውን ክፋላት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ትክን ፍንጀራን ከምዘጋጠመ ሓቢሩ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ኣሜሪካን እስራኤልን እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ከምዝተኻየደ ዝሓበራ ኮይነን፡ CNN እቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ከምዝተፈፀመ ሓቢሩ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰራዊት እስራኤል ካብ ኢራን ዝተተኮሱ ሚሳይላት ናብ እስራኤል ይጓዓዙ ምህላዎም ዘፍለጠ እንትኾን ህዝቢ እስራኤል ትእዛዝ መንግስቲ ክኽተል ኣፍሊጡ ኣሎ።




Leave a Reply