‎ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም( WHO) ከምዝወፀት ተገሊፁ።


ኣሜሪካ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢላ ብዝሃበቶ መጠንቀቅታ መስረት ካብ ኣባልነት ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ከምዝወፀት ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኻልኣይ ግዜ ስልጣን ኣብ ዝሓዝሉ እዋን ኣብ ናይ መጀመርያ ወርሖም ካብ ዝወሰድዎ ፕረዚደንታዊ ውሳኔታት ሓደ ዝኾነ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ናይ ምውፃእ ተበግሶ ሎሚ 15 ጥሪ 2018 ዓ/ም ተግባራዊ ኮይኑ እዩ።

ኣሜሪካ ፀላዊት ኣባል ናይቲ 194 ኣባላት ዝሓቖፈ ትካል ዝነበረትን፡ ኣብ 1948 ኣብ ምምስራት እቲ ትካል ቁልፊ ግደ ዝነበራ ሃገር ብሙዃናን ብተወሳኺ ድማ፡ ናይቲ ትካል ዝለዓለ ፋይናንሳዊ ድጋፍ ወሃቢት ሃገር ብምንባራን ፡ ምውፃእ ኣሜሪካ ንኣህጉራውያን ክኢላታትን ሰበስልጣንን ጥዕና ከምዘሰንበደ ዋሽንግተን ፖስት ፀብፂቡ እዩ።

ትራምፕ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፡ እቲ ትካል ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ብግቡእ ኣይሓዞን፣ ኣድላዪ ለውጢ ክገብር ኣይከኣለን፣ ካብ ገለ ኣባላት ሃገራት ዘይግቡእ ፖለቲካዊ ፀቕጢ ዝግበረሉ እዩ ዝብሉን ካልኦትን ምኽንያታት ጠቒሱ እዩ። ትራምፕ ኣብ 2020 ኣ.ፈ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመት ዘመነ ስልጣኖም ኣብ ዝነበርሉ እዋን እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዶም ምንባሮም ዝዝከር እንትኾን ንትራምፕ ብመረፃ ስዒሮም ናብ ስልጣን ዝመፁ ነበር ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ድማ ንወሳነ ትራምፕ ስዒሮም ናብ ኣባልነታ መሊሶማ ነይሮም እዮም።

ምምሕዳር ትራምፕ ተሳትፎ ኣሜሪካ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብኻልእ መንገዲ ከምዝቕፅል ዝገለፀ ኮይኑ ቀፃሊ ድጋፍ ኣሜሪካ ድማ ምስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ፣ ናይ እምነት ትካላትን ብቀጥታ ምስ ሃገራት ብዝግበሩ ክልተኣዊ ርክባትን ኣጋርነትን ኣቢላ ድጋፋ ከምእትቕፅል ተገሊፁ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብግድኡ ኣሜሪካ ቅድሚ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ምውፅኣ ዘለዋ ናይ ገንዘብ ክፍሊታት ግደይትኣ ክተማልእ ከምዘለዋ ዝገለፀ እንትኾን ብተወሳኺ ፈፃሚ ሰራሕ እቲ ውድብ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ የካቲት ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ከምዝዝትየሉ ኣፍሊጡ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading