ፕረዚደንት ትራምፕ ንቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ይሰርሑ ከምዘለው ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ይሰርሑ ከምዘለው ተገሊፁ።

ፖረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ቅልውላው ብሰላማዊ ድርድር ንምፍታሕ ዘኽእሉ ኣማራፅታት ምፍጣሮም ንምርግጋፅ ይፅበዩ ከምዘለው ዋና ስትራተጂስት ፎሮም ማእኸለላይ ምብራቕ ጂም ሃንሰን ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብዘነበሮም ፃንሒት ገሊፆም።

ጂም ሃንሰን ኣብ ፃነሒቶም ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ድማ ትራምፕ ነዚ ቅልውላው ብሰላማዊ ድርድር ንምፍታሕ ንሃገራት ቻይናን ሩስያን የዘራርብ ከምዘሎን፤ ከምኡ’ውን ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ሓቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎንሓቢሩ። ይኹን ድኣ እምበር ይብል ጂም ሄንሰን ዝተወሰኑ ኣኽረርቲ ኢራናውያንን፡ ኣመራርሓ እስላማዊ ወያነ ሓለዋ ኢራንን ግን ብቅንዕና ክደራደሩን ሰላማዊ ፍታሕ ንምምፃእን ድሌት ከምዘይብሎም ገሊፁ እዩ።

እንድሕር ሰላማዊ ፍታሕ ንምምፃእ ዕንቅፋት ዝኾኑ ኮይኖም ግን ኣሜሪካ ዘለዋ መማረፂ ወታሃድራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ምኻኑ ጂም ሄንሰን ወሲኹ ሓቢሩ እዩ። ሰለዚ ድማ ብሰላማዊ ድርድር ሰላማዊ ፍታሕ ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ዕንቅፋት ዝኾኑ ሰባት CIAን Mossadን ብዘዳልውዎ ዝርዝር መሰረት ኣብ ልዕሊ እዞም ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣካላት ስጉምቲ ምውሳድ እቲ ዝተረፈ መማረፂ ምኻኑ ሓቢሮም እዮም።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ከምኡ’ውን እስራኤልን ኣሜሪካን ኣንፃር ኢራን ሓቢረን ከምዘለዋ ዝገለፁ ጂም ሄንሰን፤ ወሲኾም ድማ እዚ ባዕሉ ሓደ ዓወት እዩ። ሰላማዊ ፍታሕን ድርድርን ንዘይቕበሉን ፀቢብ ኣእሞሮ ንዘለዎም ሓይልታት ግን፤ ሰላማዊ ፍታሕ እንድሕር ዘይቕበሉ እንታይ ከምዝፅንሖም ንክፈልጡ (violence) ጉልበት እውን ካልእ መፍትሒ እዩ ብምባል ሓሳቦም ገሊፆም እዮም። ስለዚ ብዚ እንድሕር ዝቕፅሉ ኮይኖም ዋላ ዘቐንዙ ይኹን መጥቃዕቲ ኣየር ዝኣመስሉ ነገራት ክህልው ከምዝኽእሉ ትፅቢት ከምዝግበር ኣመላኺቶም እዮም።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ተጓዒዞም ምንባሮም ዝዝከር እንትኾን ኣብ ጉዳያት ልውውጥ ንግዲ ክልቲአን ሃገራትን ኣብ ጉዳይ ኢራን፣ ሰሜን ኮርያን ታይዋንን ምዝታዮም ዝዝከር እዩ። ብፍላይ ድማ ቁልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ቀንዲ ኣጀንድኦም ምንባሩ እናተገለፀ ፀኒሑ እዩ።

ይኹን እምበር ዛጊድ ዘተ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ዝተራእየ ምምሕያሽ ይኹን ናይ ሰላም ኣንፈት የለን።

ኣሜሪካ ንኢራን ዘቕረበቶም ናይ ድርድር ነጥብታት ድማ ኢራን ምምዕባል ዩራንየም ክተቋርፅ፣ መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ክትኸፍት ዝብሉ እንትኾኑ ብወገን ኣሜሪካ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ዘንበረቶም እገዳታት ቀስ ብቀስ ክተልዕል ዝብሉ እዮም። ይኹን እምበር ኢራን ዛጊድ ንዞም ኣሜሪካ ዘቕረበቶም ናይ ድርድር ነጥብታት ኣይተቐበለቶምን ዘላ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading