ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ተገሊፁ። ኣሜሪካ ነዚ መጥቃዕቲ ዘካየደትሉ ምኽንያት ድማ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኮንተይነራት ፅዒና ብወሽመጥ ሆርሙዝ እናሓለፈት ኣብ ዝነበረት መርከብ ንዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ድሮን ግብረመልሲ ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ ፋይናንሻል ታይምስ ፀብፂቡ።
ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን መጋዘናት ሚሳኤልን ድሮናትን፣ ናይ ራዳር ሰርዓትን መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ እዩ። ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ነዚ መጥቃዕቲ ኣየር ዘካየደሉ ምኽንያት እንትገልፅ ድማ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ጥቓ ወደብ ኦማን ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ናይ ሲንጋፖር መርከብ መጥቃዕቲ ድሮን ምፍፃማ ስዒቡ ዝተውሃበ ግብረ መልሲ ምዃኑ ኣረዲኡ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ኣብ መግለፂኡ ከምዝጠቐሶ ኢራን ብዘይዝኾነ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ናይ ንግዲ መርከባት መጥቃዕቲ ምፍፃማ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈሪሙ ዝነበረ መረዳድኢ ውዕሊ ከምዝጠሓሰቶ ዝገለፀ ኮይኑ፤ ወሲኹ ድማ ብምኽንያት ሓደገኛ ባህሪ ኢራን ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከይህሉ ገይሩዎ ከምዘሎ ሓቢሩ እዩ።
እዚ መጥቃዕቲ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ፈፂማቶ ዝተብሃለት መጥቃዕቲ ድሮን ዝምልከት ካብ ዝዛረቡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ከምዝተፈፀመ ድማ መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ፀብፂቡ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ምክትል ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጄዲ ቫንስ ከም ዝበልዎ ድማ “ኢራን ስምምዕነት ፈሪማ እያ። ንሕና እውን ኣኽቢርናዮ ኢና፤ እንድሕር ኣፈፃፅምኡ ዝምልከት ዘይስማዕምዑ ኮይኖም ምድዋል ይኽእሉ እዮም። ዓመፅ ግን ዓመፅ እዩ ዝወልድ” ክብሉ ኣብ ናይ “X” ማሕበራዊ መኣኸቢኦም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ገሊፆም እዮም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ዋጋ ነዳዲ ካብ ዝነበሮ ብ1 ሚኢታዊ ወሲኹ ንሓደ በርሚል 73.50 ዶላር ከምዝበፅሐ ተገሊፁ እዩ። ኣብ እዋን ኲናት ክልቲአን ሃገራት ንሓደ በርሚል ነዳዲ ክሳብ 120 ዶላር በፂሑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ውጥጥ ድሕሪ ነዊሕ ድርድር ብኣሻማጋልነት ፓኪስታንን ኳታርን ብዝተፈራረምኦ መራደድኢ ውዕሊ ልውውጥ መጥቃዕቲ ኣቋሪፀን ዝነበራ እንትኾና፤ ሐዚ ግን ጎንፂ ክልቲአን ሃገራት ናብ ምድጋስ ገፁ ዝኸድ ዘሎ እዩ ዝመስል።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣጋራት ኢራን ዝኾኑ ዕጡቓት ሂዝቦላህን ሓማስን እትፍፅሞ መጥቃዕቲ ደው ክተብል ኢራን እናሓተተት ምምፅኣ ዝዝከር እንትኾን፤ ኣብ ልዕሊ መርከብ ሲንጋፖር ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ናብ ዳግም ጎንፂ ከይምለሳ ተሰጊኡ ይርከብ።



Leave a Reply