Tag: #ማእኸላይ ምብራቕ
-
ኣሜሪካ ንእስራኤል ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣፅዋር ኲናት ክትሸጠላ ከምዝሓሰበት ተገሊፁ።

ምምሕዳር ጆባይደን ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ኣፅዋር ኲናት ንእስራኤል ክሽየጥ ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ረቒቕ ከምዘቕረቡ ንክልተ ሰበስልጣናት ኣሜሪካ ጠቒሱ ሮይተርስ ፀብፂቡ። ኣሜሪካ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት እናካየደት ንዝትርከብ መሻርኽታ እስራኤል እተገብሮ ድጋፍ እናቐፀለቶ ትርከብ። ብባይቶ ተወከልቲ ህዝብን ሰኔትን ክፀድቕ ትፅቢት ዝግበረሉ እዚ ናይ መሸጣ ኣፅዋር ኲናት ረቒቕ ናይ ተዋጋእቲ ጄታት ተተካሲ፣ ተዋጋእቲ ሄልኮፍተራት፣…

