ኣሜሪካ ንእስራኤል ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣፅዋር ኲናት ክትሸጠላ ከምዝሓሰበት ተገሊፁ።

ምምሕዳር ጆባይደን ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ኣፅዋር ኲናት ንእስራኤል ክሽየጥ ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ረቒቕ ከምዘቕረቡ ንክልተ ሰበስልጣናት ኣሜሪካ ጠቒሱ ሮይተርስ ፀብፂቡ። ኣሜሪካ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት እናካየደት ንዝትርከብ መሻርኽታ እስራኤል እተገብሮ ድጋፍ እናቐፀለቶ ትርከብ።

ብባይቶ ተወከልቲ ህዝብን ሰኔትን ክፀድቕ ትፅቢት ዝግበረሉ እዚ ናይ መሸጣ ኣፅዋር ኲናት ረቒቕ ናይ ተዋጋእቲ ጄታት ተተካሲ፣ ተዋጋእቲ ሄልኮፍተራት፣ ናይ ከበድቲ ኣፅዋራት ተተኮስትን ኣናእሽተይ ዲያሜትር ዝሽፍኑ ቦምብታትን ዓረራትን ዘካተተ ከምዝኾነ ፀብፃበ ሮይተርስ የመላኽት። ብተወሳኺ ተሰናባቲ ፕሬዘዳንት ጆ ባይደን እስራኤል ዓለምለኸ ሕጊ ብዘኽብር ኣገባብ ንባዕላ ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለዋ ከምዝኣምኑን ነዚ ድማ ኣሜሪካ ብቐፃልነት ከምእትድግፍ ምግላፆም እቲ ፀብፃብ የመላኽት።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ናይ ኣፅዋር ማዕቐብ ክተንብር በዙሓት ሕቶታት ምቕራብ እናቐፀሉ እንትኾኑ ኣሜሪካ ግን ንእስራኤል ዝተቕርቦ ሓገዝ ኣጠናኺራ ኣብምቕፃል ትርከብ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣፅዋር ኲናት ድጋፍ ንምግባር ምፅዳቛ ይዝከር። ፕረዚዳንት ባይደን እዚ ድጋፋት እንተፅድቑ እስራኤል ካብ ብኢራን ዝድገፉ ዑጡቓት ሃማስን ሂዝቦላህን ንባዕላ ክትከላኸል ይድግፉ ምህላዎም ይገልፁ።

ዲሞክራት ባይደን ድሕሪ ሒደት መዓልትታት መንበረ ስልጣኖም ንተመራፂ ፕሬዘዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣረኪቦም ዝወርዱ ዋላ እኳ እንተኾኑ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ እስራኤል ተመሳሳሊ ቅዋም ከምዝኽተሉ ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ይገልፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ዝጀመረ ኲናት ሃማስን እስራኤልን ጠጠው ንምባል ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታት ዋላ እኳ እንተተገበሩ ዛጊድ ጠጠው ንምባል ኣይተኻእለን። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤትምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ዝቐረበ ረቒቕ ሓሳብ ኣሜሪካ ንድምፂ ብድምፂ ንምስዓር ዘኽእላ መሰላ ተጠቒማ ውድቂ ከምዝገበረቶ ይዝከር።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading