ኣስታት 7.4 ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ኣፅዋር ኲናት ናብ እስራኤል ንክሽወጥ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ናይ መሸጣ ውዕሊ ከምዘፅደቐ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣረጋጊፆም። ካብዚ እቲ ናይ 6.75 ቢልዮን ዶላር ኣፅዋር ቦይንግ ኩባንያ ዘቕርቦ እንትኸውን መምረቲ ኣፅዋራት ኲናት ዝኾነ ሎክሄድ ማርቲን ዝተብሃለ ኩባንያ ድማ ናይ ኣስታት 660 ሚልዮን ዶላር ዝግመቱ “ሄልፊር” ሚሳኤላት ከምዘቕርብ ሮይተርስ ፀብፂቡ።
ምስዚ ብዝተትሓሓዘ ፕረዚዳንት ትራምፕ ንኮንግረንስ ኣሜሪካ ከየፍለጡን እቲ ኮንግረስ ከይኣፅደቖን ናይ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሚሳኤላትን ቦምብታትን መሸጣ ኣፅዲቑ እዩ ብምባል ተወከልቲ ዲሞክራት ተቓውሞታቶም እናገለፁ ይርከቡ። እቶም ካብ ዲሞክራት ዝተወከሉ ኣባላት ኮንግረንስ ተቓውሞኦም እንትገልፁ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ማርኮ ሩብዮም ብዘይ ናይ ኮንግረስ መደበኛ ከይዲ ምርመራ ከሕልፎ ዝኽእል መእመኒ መረዳእታ ከቕርቡ ኣይካኣሉን ክብሉ ካብ ዲሞክራት ተወካሊ ኮንግረስ ዝኾኑ ኮንግረስ ማን ግሪጎሪ ሚክስ ገሊፆም።
ግሪጎሪ ሚክስ እስራኤል ንዘጋጠማ ቀጣናዊ ናይ ድሕንነት ስግኣት ምላሽ ክትህብ ወታሃድራዊ ድጋፍ ክንህብ ከምዘለና ይኣምን እየ ፤ ኮይኑ ግን ንነዊሕ ዓመታት ዝፀንሐ ኣሰራርሓና እናተጥሓሰ ምኻዱ የተሓሳስበኒ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
ይኹን እምበር ምስእዚ ኣተሓሒዙ ሲኤን ኤን ከምዘዘኻኸሮ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ስልጣን ዘመኖም ብዘይካ ፍቓድ ኮንግረስ ንእስራኤል መሸጣ ኣፅዋር ከምዘፅደቑ ብምግላፅ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 50 F-15 ጄታት ሓዊሱ ኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ዝግመት መሸጣ ኣፅዋር ኲናት ከምዘፅደቑ ፀብፂቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ናይ ስልጣን ዘመኖም ኣብ ቴል ኣቪቭ ዝነበረ ኤምባሲ ኣሜሪካ ናብ እየሩሳሌም ዘዘዋወሩ ትራምፕ ንካልኣይ ግዜ ተመሪፆም ናብ ዋይትሃውስ ምስተመለሱ እውን ንእስራኤል ዝገብርዎ ድጋፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉሉ ምግላፆም ዝዝከር እዩ። ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ምስ ጠቅላይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ጋዛ ንምቁፅፃር ከምዝተለሙ ምግላፆም ስዒቡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ተቓውሞታት እናተኣናገዱ ምቕናዮም ዝፍለጥ እዩ።
እስራኤል ብቡዝሓት ሃገራት ኣብ ጋዛ እተካይዶ ብዘላ ኲናት ምኽንያት እናተወገዘት ዋላ እኳ እንተኾነት ኣሜሪካ ግን ንእስራኤል እትገብሮ ሓገዝ ብምልውዋጥ መንግስትታት ከይተገደበ እናቐፀለቶ ትርከብ።



Leave a Reply