ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ሕፀረት ቀረብ ነዳዲ ሃገራት ምምዕባል ሓይሊ ኒውክለር ከምመማረፂ ክጥቀማ ይግደዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንግስታት ዝያዳ ርጉእን ትሑትን ወፅኢታት ዘለዎም ምንጪ ፀዓት ኣብ ዝደልዩሉን ቅድሚ ሕጂ ንኣቶሚካዊ ሓይሊ ዝነበረ ተቓውሞ ዳግማይ ኣብ ዝሓስቡሉን ዘለዉ እዋን፡ ኢንዱስትሪ ኒዩክለር ነቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዶናልድ ትራምፕ ክቕፅል ገይርዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ
ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ምኽንያት ተፈጢሩ ዘሎ ሕፅረት ኢነርጂ ንምፍታሕ ሃገራት ሓይሊ ነውክለር ምምዕባል ከም መማረፂ ይሓስባ ከምዘለዋ ተገሊፁ። መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ከምዝፀብፀቦ ብሃገራት ኢንግሊዝን ኔዘርላንድስን ዝውነን ዩሬንኮ (Urenco) ዝተብሃለ መማዕበሊ ሓይሊ ኒውክለር ብሰንኪ ምዕፃው መስመር ንግዲ ባሕሪ ሆርሙዝ ዝተፈጠረ ሕፅረት ነዳዲ ንምቅላል ስርሑ ከምዝጀመረ ሓቢሩ።
ቦሪስ ሹች ዝተብሃለ ስራሕ መካየዲ እቲ ትካል መማዕበሊ ኒውክለር ንፋይናንሻል ታይምስ ከምዝተዛረቦ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ነዳዲ ንምቅላል ምምዕባል ሓይሊ ነውክለር ከምዝጀመሩን ፤ እዚ ንምቅልጣፍ ዝኾኑ እታወታት ዩራንየምን ነዳዲን ንምቕራብ ዝውዕል ኣስታት 21 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ መዲቡ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ቦሪስ ሹች ወሲኹ ከምዝገለፆ እቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኤስያ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ቀረብ ነዳዲ ቅልውላው ኣውፃእቲ ፖሊስን ኢንዱስትሪታትን ኣብ ውሕስና ኢነርጂ ትኹረት ክገብሩን፤ ካብ ከምዚ ዓይነት ፀገማት ነፃ ዝኾነ ኣማራፂ ምፍጣር ኣድላዪ ኮይኑ እዩ ዝበለ ኮይኑ። እዚ ድማ ምምዕባል ሓይሊ ኒውክለር ጠቓሚ ክኾን ገይርዎ ከምዘሎ የረድእ።
ድሕሪ ኣብ 2011 ኣ.ፈ ኣብ መማዕበሊ ኒውክለር ጃፓን ዘጋጠመ ክስተት ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ምምዕባል ኒውከለር ዝነበረን ድሌት እናቐነሰ ምምፅኡ መፅናዕትታት ዝሕበሩ እንትኾን ይኹን ድኣ እምበር ብሰንኪ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ድሕሪ 10 ዓመታት ናብ ምምዕባል ኒውክለር ክምለሳን ገይሩ ከምዝርከብ እናተሓበረ እዩ።
ኣብ 2011 ኣ.ፈ ኣብ ዳይቺ ዝተብሃለ መማዕበሊ ኒውክለር ጃፓን ብዝተፈጠረ ልዑል ፀቕጢ ፤ ኣስታ 150,000 ሰባት ዝተፈናቐልሉ 9.0 ማግኒቱድ ዝተዓቀነ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ፈጢሩ ምንባሩ ዝዝከር እንትኾን፥ ድሕሪ እዚ ኣጋጣሚ ኣብ ልዔሊ ትካላት ኒውክለር ዝለዓሉ ተቛውምታት እናሓየሉ ሃገራት እውን ካብ ምምዕባል ሓይሊ ኒውክለር ክቕጠባ ዝገበረ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።
ይኹን ድኣ እምበር ድሕሪ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ከምኡ እውን ኣብዚ ወርሒ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ብዘሎ ቅልውላው ስዒቡ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፀረት ነዳዲን ዝቕባበ ዋጋን ኣውፃእቲ ፖሊሲን ዓበይቲ ሃገራትን ንኢንዳስትሪ ኒውክለር ብዝምልከት ዝነበሮም ፖሊሲ መሊሶም ክፍትሹ ገይሩዎም ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ትዕዝብቶም እናገለፁ ይርከቡ።
ፕረዚደንት ኮምሽን ኣውሮፓ ኡርስላ ቮን ዳር ላየን ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ከምዝገለፆ ድማ ኣውሮፓ ምምዕባል ኒውክለር ቀኒሳ ኣብ ኣብ ነዳዲን ጋዝን ዝተሞርኮሰ ፍልፍል ሓይሊ ክትጥቀም ምፅንሓ “ስትራተጂክ ጌጋ” ምንባሩ ገሊፁ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ መንግስታት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፀረት ነዳዲ ነምፍታሕን ዘላቕን ውሑስን ዝኾነ ኣማራፂ ኢነርጂ ኣብ ምንዳይ እናተንቀሳቐሱ ከምዘለዉ እናተሓበረ ይርከብ።
ኲናት ኢራንን እስራኤልን ልዕሊ 20 ሚልዮን ቀረብ ነዳዲ ዓለም ኣቋሪፁ ዘሎ ኮይኑ፤ እዚ ድማ ድሕሪ 1970 እቲ ዝኸፍአ ሕፅረት ቀረብ ነዳዲ ምዃኑ ተንተንቲ ቁጠባ ዓለም እናገለፁ ይርከቡ። ከምውፅኢቱ ድማብርክት ዝበላ ሃገራት ናብቲ ብሕታዊ ካብ ነዳዲ ክርከብ ዝኽእል ሓይሊ ናይ ምሃብ ተኽእሎ ዘለዎ ሓይሊ ነውክለር ከም መማረፂ ክጥቀማን ገፀን ናብ ኢንዱስትሪ ነዉክለር ከዝራን እናገበረ ከምዘሎ እናተገለፀ ይርከብ።
ብዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ውሱናት ዓመታት ምምዕባል ሓይሊ ኒውክለር እናወሰኸ ይመፅእ ከምዘሎ እናተገለፀ እዩ። ንኣብነት ንምንቅሰቓስ ትካል መማዕበሊ ኒውክለር ሃገራት ጀርመን ኢንግሊዝን ኔዘርላንድስን ዩሬንኮ ብዝምልከት መርበብ ሓበሬታ ፋይናሻል ታይምስ ዘውፀኦ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ነዚ ትካል ዝምደብ በጀት ኣብ ዓመተ ፈረንጂ ብ14 ሚኢታዊ ክውስኽ ብምግባር 21.3 ቢልዮን ዩሮ ዝተመደበሉ እንትኾን ከምውፅኢቱ ድማ 2.9 ቢልዮን ዩሮ ዝተፃረየ ትርፊ ከምዘመዝገበን መጠን ትርፉ እውን ብ11 ሚኢታዊ ይውስኽ ከምዘሎ ተሓቢሩ እዩ።



Leave a Reply