Tag: #Iran
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ደብዳብ ኣየር ምክያዳ ስዒቡ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ደጊማ ክትዓፅዎ ከምትኽእል ኣጠንቂቓ።

ኢራንን ኣሜሪካን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣደራዳራይነት ፓኪስታንን ኳታርን መረዳድኢ ውዕሊ ከምዝተፈራረማ ዝዝከር እንትኾን፤ ይኹን እምበር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እናካየደቶ ዘላ ደብዳብ ኣየር ብዘይምቁራፃ ምኽንያት ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ደጊማ ክትዓፅዎ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ። ድሕሪ ስምምዕነት ኢራንን ኣሜሪካን ወሽመጥ ሆርሙዝ ናብ ምሉእ ኣገልግሎት ተመሊሱ ዝነበረ ኮይኑ፥ Pakistan today ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ትማሊ ኣማስዩ ሒዝዎ ዝወፀ ሓበሬታ…
-
ዕጡቕ ሂዝቦላህ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን መንግስቲ ሊባኖስን ዝተገብረ ስምምዐነት ምቁራፅ ተኹሲ ተቓዊሙ።

ዕጡቕ ሂዝቦላህ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን መንግስቲ ሊባኖስን ዝተገብረ ስምምዐነት ምቁራፅ ተኹሲ ተቓዊሙ። እስራኤል ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ሊባኖስ ኣንፃር ዕጡቕ ጉጅለ ሂዝቦላህ እናተዋግአት ዘላ እንትኾን፤ ኣሜሪካ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕላዊ ዝተገብረ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ኣፈራሪማተን እያ። ይኹን እምበር እዚ ስምምዕነት ኣብ ግዝኣት ሊባኖስ ዘሎ ሰራዊት እስራኤል መዓዝ ከምዝወፅእ ዘቐመጦ ግዜ ገደብ የብሉን። ነዚ ስዒቡ…
-
ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ሕፀረት ቀረብ ነዳዲ ሃገራት ምምዕባል ሓይሊ ኒውክለር ከምመማረፂ ክጥቀማ ይግደዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ሕፀረት ቀረብ ነዳዲ ሃገራት ምምዕባል ሓይሊ ኒውክለር ከምመማረፂ ክጥቀማ ይግደዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንግስታት ዝያዳ ርጉእን ትሑትን ወፅኢታት ዘለዎም ምንጪ ፀዓት ኣብ ዝደልዩሉን ቅድሚ ሕጂ ንኣቶሚካዊ ሓይሊ ዝነበረ ተቓውሞ ዳግማይ ኣብ ዝሓስቡሉን ዘለዉ እዋን፡ ኢንዱስትሪ ኒዩክለር ነቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዶናልድ ትራምፕ ክቕፅል ገይርዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ ኣብ…

