Tag: #ሆርሙዝ
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ደብዳብ ኣየር ምክያዳ ስዒቡ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ደጊማ ክትዓፅዎ ከምትኽእል ኣጠንቂቓ።

ኢራንን ኣሜሪካን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣደራዳራይነት ፓኪስታንን ኳታርን መረዳድኢ ውዕሊ ከምዝተፈራረማ ዝዝከር እንትኾን፤ ይኹን እምበር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እናካየደቶ ዘላ ደብዳብ ኣየር ብዘይምቁራፃ ምኽንያት ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ደጊማ ክትዓፅዎ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ። ድሕሪ ስምምዕነት ኢራንን ኣሜሪካን ወሽመጥ ሆርሙዝ ናብ ምሉእ ኣገልግሎት ተመሊሱ ዝነበረ ኮይኑ፥ Pakistan today ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ትማሊ ኣማስዩ ሒዝዎ ዝወፀ ሓበሬታ…
-
ኢራን ናይ ኣሜሪካ ሄልኮፕተር ወቒዓ ከምዘውደቐት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም፤ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ሂባ።

ኢራን ናይ ኣሜሪካ ሄልኮፕተር ወቒዓ ከምዘውደቐት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም፤ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ሂባ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ እናተንቀሳቐሰት ዝነበረት ሄልኮፍተር ብኢራን ተወቒዓ ከምዝወደቐት ብምፍላጥ፤ ነዚ ስጉምቲ ኢራን ኣሜሪካ ግብረመልሲ ክትህበሉ ከምዝግባእ ገሊፆም። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝበልዎ ኢራን ንሰሉስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ጥቓ ሃገረ ኦማን ኣብ መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ክትትል ንምግባር እናተንቀሳቐሰት ዝነበረት…

