ኢራን ናይ ኣሜሪካ ሄልኮፕተር ወቒዓ ከምዘውደቐት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም፤ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ሂባ።

ኢራን ናይ ኣሜሪካ ሄልኮፕተር ወቒዓ ከምዘውደቐት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም፤ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ሂባ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ እናተንቀሳቐሰት ዝነበረት ሄልኮፍተር ብኢራን ተወቒዓ ከምዝወደቐት ብምፍላጥ፤ ነዚ ስጉምቲ ኢራን ኣሜሪካ ግብረመልሲ ክትህበሉ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝበልዎ ኢራን ንሰሉስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ጥቓ ሃገረ ኦማን ኣብ መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ክትትል ንምግባር እናተንቀሳቐሰት ዝነበረት AH-64 Apache ዝተብሃለት ዘመናዊት ሄልኮፍተር ኣሜሪካ፡ ብኢራን ተወቒዓ ከምዝወደቐት ኣፍሊጦም እዮም። ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ከምዝሓበሮ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ዝተወቕዐት ሄልኮፍተር ዝነበሩ ክልተ ሰብ ሞያ ብሂወት ከምዝተረፉ ሓቢሩ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ትራምፕ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝተብሃለ ማሕበራዊ መራኸቢኦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልአኽቲ ኣሜሪካ ነዚ ተግባር ኢራን ኣድላዪ ስጉምቲ ክትወስድ ከምዝግባእ ገሊፆም እዮም።

ማዕኸን ዜና ኣልጀዚራ ሎሚ ንጉሆ ከምዝፀብፀቦ ድማ ኣሜሪካ ነዚ ሕነ ንምፍዳይ “ደብዳብ ዓርሰ ምክልኻል” self defence strikes ብዝብል ስያመ ኣብ 4ተ ቦታታት ኢራን መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ፀብፂቡ እዩ።

ከምፀብፃብ ኣልጀዚራ እንትኾይኑ ኣሜሪካ ኣብ ደሴት ቄሽም፣ ስትሪክ፣ ጃስክን ባንዳር ኣባስን ኣብ ዝተብሃሉ ቦታታት ኢራን ከበድቲ ደብዳባት ከምዘካየደት ሓቢሩ እዩ። ኣሜሪካ ኣብዞም ቦታታት እዚኦም ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወደባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ መሰረተ ልምዓታት ከቢድ ዕንወት ከምዘብፀሐን ከበድቲ ፍንጀራታት ከምዘስዐበን ፀብፃብ ኣልጀዚራ የመላኽት።

ንመጥቃዕቲ ኣሜሪካ ስዒቡ መልአኽቶም ዘመሓላለፉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ከምዝበልዎ ድማ ኣብ ጥቓ ግዝኣት ኢራን ዘሎ ሰራዊት ወፃኢ ሃገር ከሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ እዩ ዝበሉ እንትኾን፤ ንደብዳብ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ክምዝህቡ ድማ ተሓንዮም እዮም።

ንሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልአኽቲ ከምዝበልዎ ድማ “ድሕንነትኩም ውሑስ ክኾን እንድሕር ኮይኑ ከባቢና ለቒቕኩም ኪዱ” ብምባል ኣብ ናይ ኤክስ ማሕበራዊ መራኸቢኦም ኣብ ዘስፈርዎ መልአኽቲ ገሊፆም እዮም።

ክልቲአን ሃገራት ብሞንገኝነት ፓኪስታን ንሰሙናት ኣብ ድርድር ምፅነሐን ዝፍለጥ እንትኾን፤ ግን ድማ ዋላ እኳ ናብ ስምምዕነት ንከበፅሓ ተስፋ ተገይሩ እንተነበረ ይኹን እምበር ክልቲአን ሃገራት ናብ ምጥቕቓዕ ተመሊሰን ይርከባ። ውፅኢት ድርድር ክልቲአን ሃገራት ዝምልከት ዛጊድ ዝተብለ ነገር ዘየለ ኮይኑ፤ ኣሜካ ናይ ኢራን ግበረ መልሳዊ መጥቃዕቲ ከም እትፅበ ድማ እናተገለፀ እዩ።

ቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ሐዚ እውን ብዘይ ምንም ዕልባት እናቐፀለ ዘሎ እንትኾን፤ ኣብ ቁጠባ ዓለም ኣዕሪፍዎ ዘሎ ከቢድ ፅዕንቶ ሐዚ እውን እናቐፀለ እዩ

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading