እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ደብዳብ ኣየር ምክያዳ ስዒቡ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ደጊማ ክትዓፅዎ ከምትኽእል ኣጠንቂቓ።

ኢራንን ኣሜሪካን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣደራዳራይነት ፓኪስታንን ኳታርን መረዳድኢ ውዕሊ ከምዝተፈራረማ ዝዝከር እንትኾን፤ ይኹን እምበር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እናካየደቶ ዘላ ደብዳብ ኣየር ብዘይምቁራፃ ምኽንያት ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ደጊማ ክትዓፅዎ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ።

ድሕሪ ስምምዕነት ኢራንን ኣሜሪካን ወሽመጥ ሆርሙዝ ናብ ምሉእ ኣገልግሎት ተመሊሱ ዝነበረ ኮይኑ፥ Pakistan today ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ትማሊ ኣማስዩ ሒዝዎ ዝወፀ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ግን ብሰንኪ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እናካየደቶም ዘላ ደብዳብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ዳግም ንከይዕፆ ተሰጊኡ ከም ዘሎ እዩ ዘመላኽት።

ንኣዋርሕ ዝቐፀለ ቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ጠጠው ኣቢሉ ዘሎ ስምምዕነት ኣሜሪካን ኢራንን ቅድም ኢሉ ብዝተትሓዘሉ መርሃ ግብሪ መሰረት ሎምዓንቲ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫ ብዛዕባ ቴክኒካዊ ጉዳያት እቲ ስምምዕነት ድርድር ክግበረሉ እዩ ትፅቢት ዝግበር።

ሐዚ ዝወፁ ዘለው ፀብፃባት ከምዘመላኽትዎ ድማ ኢራን ጉዳይ ሃማስን ሂዝቦላህን እውን ኣጀንድኣ ጌራ እናቕረበቶ እያ። ነዚ ድማ ኢራን ውሕስና ወሽመጥ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊኣ ዝፍፀሙ መጥቃዕታት ደው ኣብ ምባሎም ጥራሕ ዘይኮነስ፤ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣንፃር ዕጡቓት ሂዝቦላህ እተካይዶ ዘላ ደብዳባት ኣየር ጠጠው ክብል ኣብ ምግባር ዘይምግባርን እውን ክውሰን ገይራቶ ከምዘላ እዩ እናተገለፀ ዝርከብ።

ክልቲአን ሃገራት ዝተፈራረምኦ ስምምዕነት ካብ ዘቐመጦም ነጥብታት ድማ፦ ኢራን እናማዕበለቶ ዝነበረት ንኒውክለራዊ ኣፅዋር ዝውዕል ዩራንየም ካብ 12 ክሳብ 20 ዓመት ንዘሎ ግዜ ክተቋርፅ፣ ዝማዕበለ ዩራንየም እንተሃልዩ እውን ብክትትል ኤጀንሲ ዓለምለኸ ኣቶምስ ኢነርጂ ክዓኑ ክትፈቅድ፣ ኣብ ኩሎም ግምባራት እሰራኤል እናካየደቶም ዘላ ኲናታት ሓዊሱ ደው ክብሉ ዝብሉ፣ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳታት ቀስ ብቀስ ክተልዕል፣ ተኣጊዱ ዝፀንሕ ብቢልዮን ዝቑፀር ሃፍቲ ኢራን ክልቀቕ ዝብሉን ካልኦት ድንጋታትን ዘጠቓለለ እዩ።

ኮይኑ ግን ኣብቲ ስምምዕነት ብዝተቐመጠ መሰረት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እናካየደቶ ዝነበረት ኲናት ክተቋርፅ ብዘይምኽኣላ ግን እቲ ስምምዕነት ናብ ሓደጋ ዝኣትወሉ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ እናተገለፀ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading