ኣሜሪካ ትማሊ ኣብ ኣኼባ ቤትምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕብራት መንግስታት ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ዝምልከት ኣብ ዘቕረበቶ ርኢቶ፡ ሓይልታት ሑቲ ብዕለት 8 ሰነ 2026 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተፈፂሙ ንዝበለቶ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ኮኒና።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝኾና ጄኒፈር ሎኬታ ኣብ የመን ብዛዕባ ዘሎ ምንቅስቓስ ነቲ ቤት ምኽሪ እንተቕርባ፤ ሓይልታት ሑቲ ኣብ እስራኤል ካብ ዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ብተወሳኺ መርከባት እስራኤል ብመስመር ባሕሪ ባብ ኤል መንዳብ ከይሓልፋ እግድ ምምሕልላፎም ገሊፀን።
እተን ኣምባሳደር ወሲኸን ከምዝበልኦ ድማ ሓይልታት ሑቲ ሐዚ እውን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ከይህሉ ዝገብሩ ተላኣኣኽቲ ኣሸበርቲ ሓይልታት ኮይኖም እናቐፀሉ እዮም ዝበላ ኮይነን፤ ወሲኸን ድማ እቲ ቤትምኽሪ ሓይልታት ሑቲ ኣብ መሰመራት ንግዲ ቀይሕ ባሕርን ካልኦት ምንቅስቓሳትን ክፈጥርዎ ዝኽእሉ ሓደጋታት ብጥንቃቐ ምክትታታሉ ክቕፅል ፀዊዐን።
ብተወሳኺ ሓይልታት ሑቲ ኣብ የመን ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ክጋደድ ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለው ዝጠቐሳ እተን ኣምባሳደር ፤ ብፍላይ ድማ ሓይልታት ሑቲ ናብ ዝተፀገሙ የመናውያን ዝጓዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምትዕንቓፍን ንቁጠባዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ የመን ዘዳኽሙ መምርሕታት ብምትግባርን ሚልዮናት ንድኽነት ክቃልዑ ምኽንያት ኮይኑ ከምዘሎ ገሊፀን እየን።
ካብዚ ብተወሳኺ ሓይልታት ሑቲ ልዕሊ 90 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ዲፕሎማሰኛታትን ብዘይ ኣግባብ ኣሲሩ ከምዘሎ እውን ዝገለፃ ኣምባሳደር ጄኒፈር ሎኬታ፤ ካብዚኦም ዝተወሰኑ ድማ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ተወሲኑሎም ከምዘሎን ሓቢረን እየን። ነዚ ተግባር ሑቲ ኣጥቢቐን ዝኮነና እተን ኣምባሳደር ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ንክፈትሖም ድማ ኣተሓሳሲበን ኣለዋ።
ኣብ የመን ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሰንዓ ሓዊሱ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ተቖፃፂሮም ዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ብኢራን እናተሓገዙ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ እውን ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንከይህሉ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታትን ዝፈጥሩ ሓይልታት እዮም።
እስራኤል ኣብ ፍልስጤም እተካይዶ ዘላ ኲናት ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ብቲ መስመር ዝሓልፋ መርከባት እስራኤል፣ ብሪጣንያን ኣሜሪካን መጥቃዕቲታት ምክያዱ ዝካየድ እንትኾን ነዚ ግብረ መልሲ ድማ እስራኤል በይና፡ ከምኡ እውን ብሪጣንያን ኣሜሪካን ብጣምራ ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት ኣየር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሑቲ ምፍፃመን ዝዝከር እዩ።



Leave a Reply