ኣሜሪካን ኢራንን ብነፈርቲን ሚሳኤልን ከም ዝተጠቓቕዓ ተገሊፁ።

መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ሒዙዎ ዝወፀ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣሜሪካን ኢራንን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ክፈራረማ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ዓርቢ ብኣየርን ሚሳኤልንመጥቃዕቲ ከምዝተለዋወጣ ፀበፂቡ።

ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝከታተል ዘሎ ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከም ዝገለፆ ኣብ መስመራት ንግዲ ባሕሪ ስግኣት ፈጢረን ዝነበራ 4 ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ሻሄድ-136 ዝዓይነተን ድሮናት ኢራን ወቒዑ ከምዘውደቐ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ እቲ ማእኸላይ እዚ ከም ዝገለፆ ኣብ ደሴታት ጎሩክን ቄሽምን ዝነበረ ናይ ቁፅፅር ራዳር ኢራን እውን ከምዘዕነወ ገሊፁ እዩ።

ኢራን ብግድኣ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገራት ኩዌትን ባህረይንን ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ተገሊፁ ዝነበረ እንትኾን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ 5ይ እዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ እናተገለፀ ዝነበረ ኮይኑ፤ ይኹን እምበር ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ድማ ሓሶት ብምባል ኣብ ልዕሊ 5ይ እዚ ሓይሊ ባሕሩ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከምዘየለ ገሊፁ እዩ።

ቀፂሉ ድማ ወታሃደራዊ ክንፊ እስላማዊት ሪፐብሊክ ኢራን ዝኾነ እስላማዊ ወያነ ሓለዋ ኢራን ኣብ ልዕሊ ብዘይፍቓድ ኢራን ብወሽመጥ ሆርሙዝ ክሓልፋ ፈቲነን ዝበለን መርከባት ድሮን ከምዘወንጨፈለን ገሊፁ እዩ። እተን ብመርከበት ብድጋፍ ኣሜሪካ ክሓልፋ ዝፈተና እየን ዝበለን እንትኾን ኣሜሪካ ድማ ኢራን ኣብ ልዕሊ መተሓላለፊ መርከባት ወሽመጥ ሆርሙዝ ስግኣት ንምፍጣር ተንቀሳቒሰን ዝበለተን ድሮናት ወቒዓ ከምዘውደቐት ገሊፃ እያ።

ኢራን ብዕለት 28 ጥሪ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ዝኸፈትኦ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ ንወሽመጥ ሆርሙዝ ምዕፃዋ ዝዝከር እንትኾን ቀፃላ ድማ ብዚ መስመር ንምሕላፍ ንኢራን ቀረፅ ከፊለንን ፍቓድ ሓቲተንን ክሓልፋ ከምዘለወን ምእዛዛ ዝዝከር እዩ። ኣሜሪካ ድማ ነዚ ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ወደባት ኢራን እገዳ ብምንባር ኢራን እውን ብወደባታ ኣቢላ ፍርያታ ከይትሸጥን ከንትገዝእን ከምዝገበረታ እናተገለፀ ፀኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያውያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ብክልቲኡ ወገን ዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ካብ ምቕናስ ሓሊፉ ኣብ መንጎአን ዝግበሩ ልውውጥ መጥቃዕቲታት ጠጠው ዘየበለ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ከምዝተፈረመ ዝዝከር እንትኾን፤ ኣብዚ ሰሙን ነዚ ስምምዕነት ንምንዋሕን ኢራን ንሆርሙዝ ክትኸፍት፣ ኣሜሪካ እውን ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ኣንቢራቶ ዘላ እገዳ ንከተልዕል ዝብሉ ነጥብታት ዝሓዘ ድርድር እውን ዛጊድ ናብ ስምምዕነት ክመፅእ ኣይከኣለን ዘሎ።

ትራምፕ ንኲናት ኢራን መዕለቢ ክገብርሉ ካብ ኣሜሪካውያን ብርክት ዝበሉ ፃውዒታት እናቐረብሎም ዘለው እንትኾን፤ ኮይኑ ግን ትራምፕ ሐዚ እውን ምስ ኢራን ዝጀመርዎ ውጥጥ እናቐፀሉ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣሜሪካ ወታሃደራዊ መዓስከር ዘንበረትለን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እውን ግዳይ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ምልልስ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ኮይነን እናቐፀላ እየን። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሰሙን ኢራን ኣብ ልዕሊ ኢመራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን እተካይዶ ዝነበረት መጥቃዕቲ ቀኒሳ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ባህሬንን ኩዌትን ትኹረት ገይራ ብሚሳኤልን ድሮንን ንምጥቃዕ እናፈተነት ትርከብ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading