ዕጡቓት ሑቲ ኲናት እስራኤልን ኢራንን ካብ ዝጅመር ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ናይ ሚሳኤላት መጥቃዕቲ ምክያዱ ስዒቡ ኣብ መስመር ንግዲ ባብልመንዳብ እውን ልክዕ ከም መስመር ሆርሙዝ ከይዕፆ ስግኣት ፈጢሩ ምህላው ተሓቢሩ።
ወሽመጥ (መስመር) ባብ ኤል-መንዳብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ጁቡቲን ኤርትራን ከምኡ’ውን የመን ዝርከብ ንቀይሕ ባሕርን ባሕሪ ኤደን (ባሕረ ሰላጤ)ን ዘራኽብ ኮይኑ ናይ 16 ማይል ወይ ድማ 26 ኪ.ሜ ስፍሓት ዘለዎ ቁልፊ መስመር ንግዲ ባሕሪ እዩ። ብተሳትፎ ንግዲ እንትረአ ድማ ካብ 10% ክሳብ 12% ዝበፅሕ ነዳዲን ተፈጥሮአዊ ጋዝን ናብ ሃገራት ኣውሮፓን ሰሜን ኣሜሪካን ሓዊሱ ናብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም ዝመሓላለፈሉ መስመመር እዩ።
ብዚ ምኽንያት ድማ ሑቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምጅማሮም ነቲ ድሕሪ ምዕፃው መስመር ነግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ሰላማዊ ኣገልግሎት እናሃበ ዝነበረ ወሽመጥ ባብ ኤል-መንዳብን ቀይሕ ባሕርን እውን ናብ ቅልውላው ከይኣቱ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ሮይተርስ ፀብፂቡ እዩ።
ድሕሪ ምዕፃው መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ስዑዲ ዓረብ ነዳዲኣ ብወደብ ያንቡ ኣቢላ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ’ውን ብባብ ኤል-መንዳብ ኣቢላ ናብ ዕዳጋ ዓለም ክተቕርብ ምፅናሓ እናተገለፀ ዝነበረ ኮይኑ ሐዚ ግን ዕጡቓት ሑቲ ናብ ኲናት እስራኤልን ኢራንን ምእታዎም ስዒቡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን መስመር ባብ ኤል-መንዳብን ተወሳኺ ናይ ፀጥታ ስግኣት ከይፍጠር ስግኣት ኣሕዲሩ ከምዘሎ ተገሊፁ እዩ።
ከም ፀብፃብ ሮይተርስ ዕጡቓት ሑቲ እቲ ዝወሰድዎ መጥቃዕቲ ኣካል እቲ ዞባዊ ጎንፂ ገይሮም ከምዝወስድዎን ንባዕሎም እውን ከምሓደ ኣብ የመን ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ዘይኮነስ ብወገን ኢራን ኮይኑ ኣብቲ ዞባዊ ጎንፂ ከምዝሳተፍ ሓደ ኣካል ገይሮም ከምዝወስዱ ኣመላኺቱ እዩ።
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መስመር ባብ ኤል-መንዳብ እውን ከም መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ብተመሳሳሊ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቓስ እንድሕር ዝገብሩ ኮይኖም ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ሐዚ እዋን ነዳዲኣ ናብ ዕዳጋ ዓለም እተቕርበሉ ዘላ መስመር ብሙዃኑ ዋላ እኳ ካልእ መማረፂ መስመር እንተሃለዋ ኣዝዩ ዝለዓለ ፅልዋ ከምዝፈጥረላ እናተሓበረ እዩ።
ምኽንያቱ ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መዓልቲ ኣስታት 4.4 ቢልዮን በርሚል ነዳዲ ብወደብ ያንቡ ኣቢላ ናብ ዕዳጋ ዓለም እናቕረት ከምዘላ ፀብፃብ ብሉምበርግ ዘመላኽት ኮይኑ ኣብ ከይዲ ድማ መጠን ቀረባ ኣብ መዓልቲ ናብ 5 ሚልዮን በርሚል ንምዕባይ እናሰርሐት ከምዘላ ተገሊፁ እዩ። ብመሰረት እዙይ ድማ ኣብ መስመር ባብ ኤል-መንዳብ ዝፍጠር ናይ ፀጥታ ፀገም ኣዝዩ ከምዝፀልዋ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ግምታቶም እናቐመጡ እዮም።



Leave a Reply