Tag: #ትግራይ
-
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብድሮን ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ንምኹናን ዝተዋህበ መግለፂ፦

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገመሃሎ (ትግራይ) ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ካልኦት ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ዝሳተፉ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባትን ዝፈነዎ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብፅኑዕ ይኹንኖ። እዚ ዘይግቡእ ግፍዓዊ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ህይወትን ኣካላትን ንብረትን ከቢድ ጕድኣት ኣስዒቡ እዩ ። ብሰንኪ እዚ ይቕረ ዘይበሃሎ ግፍዓዊ ፍፃመ እዚ ንዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዓና ዓሚቝ ሓዘን እናገለፅና…
-
ልዕሊ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣፍ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ከምዝርከቡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

ልዕሊ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣፍ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ከምዝርከቡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተብሃለ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ። ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁዩማን ራይተስ ዎች ከምዝገለፆ ልዕሊ 65 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ኣፍ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ እቲ ትካል ብዕለት 21 ሚያዝያ 2026 ኣ.ፈ ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ብገበን…
-
ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ምስ ኣማራርሓን ተወከልትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ዘትዮም።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማሕለኻታትን ፀገማትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ኣመልኪቶም ኣማራርሓን ተወከልትን እቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ሎሚ 5 ማዝያ 2017 ዓ/ም ዘትዮም። እቶም ኣመራርሓን ተወከልትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ዘለውዎም ቁልፊ ፀገማትን ማሕንቆታትን ጠሚሮም ዘቕረቡ ኮይኖም፣ ብቐንዱ ድማ እቶም ፀገማት ምስ መስርሕን መሸጥን ፣ ምስ ግልጋሎት ልቃሕ ባንክታት፣ ፌዴራል መንግስቲ ዘውፅኦም መምርሕታትን ኣብቲ ንግዲ ማሕበረሰብ ብዛዕባ…
-
ኣብ ምንዋሕ ጊዜ ገደብን ሙሻም ሓዱሽ ፕረዚደንትን ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣድሂቡ ካብ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ።

ኣብ ምንዋሕ ጊዜ ገደብን ሙሻም ሓዱሽ ፕረዚደንትን ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣድሂቡ ካብ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ። ድሕሪ ምፍራም ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተጣየሽ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክዓዮም ካብ ዝተወሃብዎ ዓበይቲ ተግባራት ሓደ ‘ ተመዛቢሎምን ተሰዲዶምን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ከቢድ ስቃይን መከራን ኣብ ምሕላፍ ዝርከቡ ህዝብና ብዘይ ምንም ቅድመ-ኩነት ውሑስን ቁልጡፍን ብዝኾነ መንገዲ ናብ…
-
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምብሓዱሽ ከም ዝጣየሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣመላኺቶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከምዝገለፅዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምብሓዱሽ ተጣይሹ ክሳብ ቀፃሊ መረፃ ከመሓድርን ቀፃሊ መረፃ ናይ ምምችቻውን ህዝቢ በዓል ዋና ስልጣን ናይ ምግባርን ከይዲ ከረጋግፅ ትፅቢት ከም ዝግበረሉ ሓቢሮም። ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ናይ ስልጣን ዘመኑ ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ቀፃሊ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝጣየሽ ሎሚ ዕለት 11. 07.…
-
ካብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ።

ህዝብን ግዝኣትን ትግራይ ብደጋዊ ሓይልታት ፅንተት ካብ ዝውረር ህዝብና ተፈናቓልን ስዱድን ኮይኑ ከምኡ እውን ኣብ ኢድ ወረርቲ ወዲቑ ኣብ ሓያሎ ስቓይ ክነብር ካብ ዝፍረዶ ዓመታት ሓሊፎም። ወረርቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣታት ትግራይ ንክወፁ ተደጋጋሚ ፃውዒት እኳ እንተገበርና፡ ሰማዒ ስኢኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዕሊ ኣፍልጦ ዝተኸልኦ ዛዕባ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን። ሐዚ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ገለ…
-
ንመናእሰይ ትግራይ ዝቐረበ ለበዋ….

ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ፣ ብመጀመርታ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብፃሕኻ፥ ምሕፅንታ ንመንእሰይ ትግራይ፥ ብልፅግናን ህግደፍን ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ብዘካየድዎ፣ ዕላምኡ ዘርኢ ምጥፋእ ዝገበረ ኲናት፣ ንብረትካ ዘሪፎም፣ ፋብሪካታት ኣባዲሞም፣ ኣሓትካን ኣዴታትካን ደፊሮም ኮታስ ሰፍ ዘይብል ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ ገዲፎምልካ ከይዶም እዮም። ብምዃኑ’ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከቢድ ስራሕ ስእነትን ንሱ ዝወለዶ ከርፋሕ ናብራን ተስፋ ምቁራፅን ከም ትርከብ ኩልና…
-
ፅልዋታት ምቁራፅ ሓገዝ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዜጋታትን ኣብ ቅልውላው ዘላ ኢትዮጵያን።

ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ስልጣኖም ካብ ዝተረከቡሉ ዕለት ጀሚሩ ብዙሓት ውሳነታት እናመሓላለፉ ይርከቡ ካብኣቶም ሓደ ኣብ እዋን ጎስጓስ መረፅኦም ጀሚሮም ብተደጋጋሚ ቃል ካብ ዝኣተውሎም ዛዕባታት ሓደ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ምብራር እዩ። እዚ ድማ ብተግባር ሕጋዊ ሰነድ ወይ እውን ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ካብታ ሃገር ናይ ምውፃእ ሰራሕቲ እናተኻየደ ይርከብ። በዚ ድማ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም…
-
ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃመት ኣብ ኣስመራ ዑደት ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃመት ኣብ ኣስመራ ዑደት ከምዝገበሩ ተገሊፁ። ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾኑ ሙሳ ፋኪ መሃመት ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረዚዳንት ኢሳያስ አፍወርቂ ከም ዝተዛተየ ሚኒስተር ሓበሬታ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ። ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ገፁ ከምዝሓበሮ ፕሬዘዳንት ኢሳያስ ምስ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ኣብ ጉዳያት…
-
ውሳነታት ህዝባዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይን ፣ውድብ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ናብ ተግባር ይሰጋገር ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዞባን ወረዳታትን ትግራይ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ አብ ወረዳታት ጉለምኸዳ ፣ክልተ ኣውላዕሎ፣ፅራእ ወንበርታ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ሓውዜን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ዞባ ዝርከቡ ተመዛበልትን ነበርትን ኣብቲ ሰልፊ እናተሳተፉ ይርከቡ። ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማታት ዞባ ማእኸል ፣ ዓድዋ ፣ እንትጮ፣ኣክሱምን ብተወሳኺ ኣብ ከተማታት ዓብዪ ዓዲ ፣ጣንቋ ምላሽን ኣብቲ ኸባቢ ተዓቒቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ዝተሳተፉሉ…

