ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ፣ ብመጀመርታ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብፃሕኻ፥
ምሕፅንታ ንመንእሰይ ትግራይ፥ ብልፅግናን ህግደፍን ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ብዘካየድዎ፣ ዕላምኡ ዘርኢ ምጥፋእ ዝገበረ ኲናት፣ ንብረትካ ዘሪፎም፣ ፋብሪካታት ኣባዲሞም፣ ኣሓትካን ኣዴታትካን ደፊሮም ኮታስ ሰፍ ዘይብል ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ ገዲፎምልካ ከይዶም እዮም። ብምዃኑ’ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከቢድ ስራሕ ስእነትን ንሱ ዝወለዶ ከርፋሕ ናብራን ተስፋ ምቁራፅን ከም ትርከብ ኩልና ንፈልጦ መሪር ሓቂ እዩ።
መራሕትኻ ንቅድሚት ኣሚቶም፣ ነቲ ኲናት ከወግድዎ እንተዘይከኣሉ’ኳ፣ መጠን ጉድኣቱ ክቅንስ ብዘይምግባሮም ኣብ ሓያል ቁጥዐ ከም እትርከብ ግልፂ እዩ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ፣ ኩሉ ነገር ምስ ተፈጠረ፣ ብስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ-ህንፀትን ክኽሕሱኻ ኣብ ክንዲ ዝሸባሸቡ፣ ኣብ ክልተ ተገሚዖም ነኒ ባዕሎም ኣብ ምብላዕ ይርከቡ። ካብዚ ዝትልዓለ፣ ቁፅሩ ውሑድ ዘይበሃል መንእሰይ ትግራይ’ውን ኣብ ክልተ ተገሚዑ ነኒባዕሉ ክባላዕ ምርኣይ ዝተለመደ ኮይኑ ኣሎ።
መራሕትኻ፣ ዝተወረረ መሬትና ከምልሱ ፅዕንቶ ኣብ ክንዲ ምፍጣር፣ ንስኻ’ውን ንመራሕትኻ ስዒብካ ኣብ ክልተ ተገሚዕኻ ክትባላዕ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘሕርቕን ነገር የለን። “ከምታ ተሓባቢርኩም ናብ ሽግር ዘእተኹምኒ፣ ተሓባቢርኩም ካብታ ሽግር ኣውፅኡኒ” ኢልካ ፅዕንቶ ኣብ ክንዲ ምፍጣር፣ ንስኻ’ውን ጉጅለ ፊሊኻ ምጉሳጥ ምምራፅካ ኣብ ታሪኽ ዘሕተካ መዋረዲ ተግባር እዩ። ስጋብ ሕዚ፣ ምዕራብ ትግራይ ናብ ዋንኡ ተመሊሱ፣ ተፈናቐልቲ ናብ ገዝኦም ዘይተመስሉ ምኽንያት፣ መራሕትኻ ብምክፍፋሎም ጥራይ ዘይኮነስ ንስኻ’ውን ብምክፍፋልካ ምዃኑ ክትርዳእ ይግባእ። እዙይ ካብ በልኩ፣ ነዞም ዝስዕቡ ጠቐምቲ ነጥብታት ክልዕል ይፈቱ፣
- እትውስኖምም ውሳነታት ኩሎም፣ ብመነፅር ረብሓ ትግራይ ጥራይ ክትሪኦምን ክትምዝኖምን ይግባእ እብል። ምንም ዓይነት ጌጋ ዘይትሰርሕ፣ ረብሓ ትግራይ ጥራይ መምዘኒኻ ክትገብር ከለኻ ጥራይ እዩ። ንኣብነት፣ ንጉጅል ጌታቸው ቅድሚ ምድጋፍካ፣ ንኣብነት ምዕራብ ትግራይ ክመልሰለይ ይኽእል’ዶ ኢልካ ክትሓትት ይግባእ። መልሱውን ክትረኽቦ ኢኻ። ትግራይ ብቑዕ ምድላዋት ብዘይምግባራ ንዝበፅሓ ጉድኣት ዝሕተት ኣካል እንተሃልዩ ብዋናነት ኣብቲ እዋን ኣብ ኣመራርሓ ዝነበሩ ኣብ ክልቲኡ ጉጅለታት ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓ እዮም። ሰራዊት ትግራይ ንፀላእቱ ሓመድ ድበ ኣልቢሱ መቐለ ድሕሪ ምእታው እውን እንተኾነ ንዝተሰርሑ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ስሕተታት ዝሕተት ኣካል እንተሃልዩ ሕዚውን ኣብ ክልቲኡ ጉጅለታት ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓ እዮም። ንስኻ ግና ነዚ ሓቂ ተረዲእኻ፣ ሓድነትካ ኣብ ክንዲ ምስጣም ፀላእትኻ ናብ ዘዳለውልካ ወፅመድ ሰተት ኢልካ ክትኣትወሎም መሪፅካ ኣለኻ። ንስኻ ክትባላዕ ከለኻ፣ ፀላእትኻ ድማ ላምባ ብምርክፍካፍ ኣዐሪኻ ክትባላዕ ወጢሮም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ። እዚ ኣብ ዝስዕቡ ነጥብታት ከምዘብራርሆ ኣዝዩ ሓደገኛ ተግባር እዩ።
- ብመሓውር ስለላ ኣብይ ኣሕመድ ዝምወሉ ተጋሩ ሓድነትካ ክዳኸምን ሰራዊት ትግራይ ክበታተን ተዋዲዶም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ። ካብዞም መንእሰይ ትግራይ ክነቕሐሎም ዝግባእ ዕሱባት ተጋሩ፣ ኣሉላ ሰለሞን እናተበሃለ ዝፍለጥ ትኽክለኛ ስሙ ሰለሞን ከበደ፣ መዘክር ኣባዲ ዘሞ፣ መለስ ብስራት፣ ጠዓመ ዓረዶም፣ ደስየ ኣሸናፊ፣ ዳናኤል ብርሃነን ካልኦትን ይርከብዎም። እዞም ዕሱባት ተጋሩ፣ መንእሰይ ትግራይ ሓድነቱ ከላሕልሕ ከምኡውን ሰራዊት ትግራይ ክበታተን ዓሊሞም፣ ከምኡውን ምስ ናይ ማእኸል ሃገር ኣክትቪስታት ተዋዲዶም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ። እዞም ዕሱባት ካብዚ ተላዒሎም እዮም፣ ነቲ ምስቲ ሓዱሽ ወለዶ ማይን ፀባን ብምዃን፣ ንፀላእቶም “ማይ ማይ” ዘበሉ ወታደራዊ መራሕቲ ትግራይ “ባህላዊ ጀነራል” ከምኡ’ውን “ምልሻ” ዝብል ስያመ ብምሃብ ከናሽው ዝውዕሉ። እዚ ኣብ መንጎ ሰራዊት ትግራይን ኣምራርሕኡን ንፋስ ክኣቱ ብምግባር ሰራዊት ትግራይ ክበታትን ናይ ምግባር ውዲት ኮነ ተባሂሉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዝወሃብ መምርሒ ዝስረሐሉ ዘሎ ስራሕ እዩ። ብፍላይ ከም ሰለሞን ከበደ ወይ ድማ ኣሉላ ሰለሞን ዝበሉ ዕሱባት፣ ሕፍረት ከይተሰመዖም፣ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ እንታይ ክፍፅም ከምዝሓሰበ ገሊፆም ከፈራርሑ እንትፍትኑ፣ ክንደየናይ ምስ ፀላኢ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ይሰርሑ ከምዘለው ዘረጋግፅ እዩ።ከምቲ ናይ ኵናት እዋን፣ እዚ ሰራዊት ትግራይ ብምፍራስ፣ ንትግራይ ናይ ምንብርካኽ ውዲት ክስራሕ ዝኽእል ብእኒ ስዩም ተሾመ ጥራይ እዩ ኢሉ ዝሓስብ የዋህ ሰብ ጥራሕ እዩ። ትግራይ ክትፈርስ እትኽእል ብናይ ደገ ሓይሊ ዘይኮነስ ካብ ውሽጢ ብዝለዓል ዕግርግር እዩ ኢሎም ብምእማን፣ ናይ ትግራይ ስዩም ተሾመታት ሓላፍነት ወሲዶም ውዲቶም ኣብ ምስላጥ ይርከቡ። ብምዃኑውን እዞም ዕሱባት፣ ንመንእሰይ ኣብ ዘይወፆ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ወፅመድ ክኣቱ ቅድሚ ምግባሮም እቲ መንእሰይ ባዕሉ ክነቕሐሎም ይግባእ ይብል።
- ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት፣ እዞም ዕሱባት ንመቕስቀሲ ይጥቀምሉ ካብ ዝቐነዩ ፕሮፓጋንዳ እቲ ሓደ “ሰላም ኢና ንደሊ” ብዝብል ዝተዓጀበ እዩ ነይሩ። ሰላም መን ይፀልእ? ካብ ሰራዊት ትግራይን ኣምራርሕኡን ንላዕሊ ሰላም ዝደሊ ኣሎ እንተተባሂሉ ምግናን እዩ ዝኸውን። ንምንታይሲ፣ ኣብ ኵናቱ እቲ ቁፅሪ ሓደ ሂወቱ ዝግብርን ኣካሉ ዝጎድልን እቲ ሰራዊትን ኣመራርሕኡን ብምዃኑ። እቲ ሓቂ እዚ ምዃኑ እዞም ዕሱባት ጠፊእዎም ኣይኮነን። ዕላምኦም ግና፣ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ንኻልእ ኩናት ይዳለው ከምዘለው ኣምሲልካ ሰራዊት ትግራይ ፋሕ ጭንግራሕ ክብል ናይ ምግባር ውዲት እዩ ነይሩ። ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ፣ ብወገን ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ዝልኮስ ሓዊ ከምዘየለ ርግፀኛ ብምዃን፣ ተመወልቲ ባንዳታት ንዘናፍስዎ ወረታት ነቒሕኻ ክተጋልፅ እላቦ።
- እትውስኖምም ውሳነታት ኩሎም፣ ብመነፅር ረብሓ ትግራይ ጥራይ ክትሪኦምን ክትምዝኖምን ይግባእ እብል። ምንም ዓይነት ጌጋ ዘይትሰርሕ፣ ረብሓ ትግራይ ጥራይ መምዘኒኻ ክትገብር ከለኻ ጥራይ እዩ። ንኣብነት፣ ንጉጅል ጌታቸው ቅድሚ ምድጋፍካ፣ ንኣብነት ምዕራብ ትግራይ ክመልሰለይ ይኽእል’ዶ ኢልካ ክትሓትት ይግባእ። መልሱውን ክትረኽቦ ኢኻ። እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ግዚያዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ጌታቸው ረዳ ወይ ድማ እቲ ኣነ ብውልቀይ ብልፅግና ፓርቲ፣ ጨንፈር ትግራይ ኢለ ዝፅወዖ ጉጅለ፣ ምዕራብ ትግራይ ናይ ምምላስ ሕልሚ ሃልይዎ ኣይፈልጥን። ንጉጅለ ጌታቸው ምድጋፍ መሰልካን ፈረቓን እዩ። እትድግፎ ግና ምዕራብ ትግራይ ብሰላም ይኹን ብኲናት ክመልሰለይ ይኽእል እዩ ኢልካ ብምሕሳብ ከምዘይኮነ ርግፀኛ እየ። ጀነራል ፃድቃን ኣብ ቀረባ እዋን፣ ንሕና ኢና ሽግርና ዘይፈታሕና እምበር ኣብይ ኣሕመድ ምዕራብ ትግራይ ክመልሰልና ፈቓደኛ እዩ ኢሉ እንትዛረብ ንመንእሰይ ትግራይ ዘለዎ ንዕቐት ዝገለፀሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ብዓይኒ ኣብይ ኣሕመድ፣ ምዕራብ ትግራይ ንትግራይ ምምላስ፣ ምስ ልሂቃን ኣምሓሩትን፣ ኣብ ኣመራርሓ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣምሓሩ ጀነራላትን ብቐጥታ ምልታም ማለት እዩ። ኣብይ ኣሕመድ ብኣፍንጭኡ ተታሒዙ እምበር ደልዩን ፈቒዱን ምዕራብ ትግራይ ክመልስ ከምዘይደሊ ግልፂ እዩ። እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈራረመ ካልኣይ ኣካል፣ ወይ ድማ ህወሓት፣ ከም ፓርቲ ተሰሪዙ ክጠፍእ ዝሰርሕ ዘሎ’ውን ምዕራብ ትግራይ ክመልስ ስለዘይደልን ነቲ ዝፈፀምዎ ናይ ጀነሳይድ ወንጀል ንትግራይ በዳሊት ብምግባር ጉዳይ ተሓታትነት ከደባብስዎ ስልዝደዩን ምዃኑ ግልፂ እዩ። ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ፣ ከምቲ ልዕል ኢለ ዝጠቐስኩዎ፣ ሰላም ኢና ንደልይ ክበሃል ዘለዎ ነቲ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ክንዲ ምፍፃም፣ ንትግራይ ወኪሉ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈረመ ኣካል ወይ ድማ ህወሓት ከጥፍእ ዝፅዕር ዘሎ ኣካል እምበር ንኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ኲናት ዝወዓለ፣ ኣድላይነት ሰላም ክትሰብኽ ምፍታን፣ ቆልዓ ንኣዲኣ ብዛዕባ ሕርሲ ክተምህራ ከም ምፍታን ዝቑፀር እዩ።
- እቲ ስልጣን ስጋብ ዘደላድል ብስም ህወሓት ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ ጌታቸው ረዳ፣ ከሳኽዖ ዝደልዮ ናይ ህዝቢ ባህጊ ይኹን ረብሓ ዘይብሉን፣ ብቐጣን ትእዛዝ ኣብይ ኣሕመድ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ከምዝኾነን ዝፍለጥ እዩ። ኣብይ ኣሕመድ ንጉጅለ ጌታቸው ኣብ ሓፂር እዋን ክሳኽዐን ብትእዛዝ መልክዕ ዝሃቦ ዓበይቲ ዕማማት ክልተ እየን፣ ንሳተን፣ (ሀ) ብስም ዲ.ዲ.ኣር፣ ሰራዊት ትግራይ ክበታተን ምግባር፣ እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ፣ ኣብ ትግራይ ከዕውቶ ዝሓስቦ ቁፅሪ ሓደ ዕላማ ሰራዊት ትግራይ ነናብ ገዝኡ ክበታተን ምግባር እዩ። እቲ ሰራዊት ነናብ ገዝኡ እንተተበታቲኑ፣ ብቐሊሉ ንትግራይ ራሕሪሑ ክወፅእ ክንገብሮ ንኽእል ኢና ካብ ዝብል ስልሒት ዝተልዓለ ይመስል። ነዚ ንምስኻዕ ድማ፣ ምስ ኣብ ዓዲ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከቡ፣ ከም ጀነራል ሳሞራ የኑስ፣ ብስራት ኣማረ፣ ስየ ኣብራሃን ካልኦት ነበር ወታደራዊ መራሕትን ብምውዳድ፣ ሰራዊት ትግራይ ክበታተን ዓሊሞም ጎስጓስ ኣብ ምግባር ይርከቡ። ብመሓውር ስለላ ኣብይ ኣሕመድ ዝምወሉ ከም ኣሉላ ሰለሞንን ካልኦት ልዕል ኢለ ስሞም ዝጠቐስኩዎም ዕሱባት ’ውን ተመሳሳሊ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ይርከቡ።ብዛዕባ ዲ.ዲ.ኣር (DDR) ክዛረቡ ከለው ንዝሰመዖም ሰብ፣ ዘቕርብዎ ምኽንያት ንመንእሰይ ትግራይ ወይ ድማ ንትግራይ ካብ ምሕላዮም ዝተልዓለ ክመስል ይኽእል እዩ። እቲ ሓቂ ግና፣ ሰራዊት ትግራይ እንተፈሪሱ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንምፍራስ ስለዘኽእሎም፣ ከምኡ’ውን ብቐሊሉ እትድፈር ትግራይ ብምፍጣር ኣብ ትግራይ ዝሓሰብዎም ዕላማታት ከሳኽዑ ጥጡሕ ባይታ ስለዝፈጥርሎም እዩ። እዞም ውልቀ ሰባት፣ ፌደራል መንግስቲ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዴትኡ ከይተዋፅአ እናሃለወ፣ ሰራዊት ትግራይ ይፍረስ ምባሎም “ተዓመትሞ ከዕሽወካ” ከም ምባል እዩ። (ለ) ህወሓት ካብ ትግራይ ክመሓው ምግባር እቲ ብጌታቸው ዝምራሕ ፀቢብ ጉጅለ ብኻልኣይ ደርጃ ኣብ ትግራይ ከሳኽዖ ዝወረደሉ መምርሒ፣ ህወሓት ካብ ትግራይ ክመሓው ናይ ምግባር ስራሕ እዩ። እዚ ምስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተሰማረው ዕሱባት ብምውዳድ ዝስረሐሉ ዘሎ እንትኾን፣ ዋና ዕላምኡ ድማ፣ ህወሓት ብምፍራስ ብሄራዊ ረብሓኣ ክተኽብር ዘይትኽእል ድኽምቲ ትግራይ ምፍጣር እዩ።እዚ ጉጅለ፣ ኣይኮነን ዶ መሬት ትግራይ ክመልስ ዝተፈናቐሉ ወገናትና ናብ መሬቶም ክምለሱ ካብ ዘረባ ዝሓለፈ እዙይ ዝበሃል ውፅኢታዊ ስራሕ ክሰርሕ ዘይከኣለ ጉጅለ እዩ። ንምንታይሲ፣ ከም ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ፣ ብቐጢን ትእዛዝ ኣብይ ኣሕመድ ዝንቀሳቐስ እምበር ረብሓ ህዝቢ ከረጋግፅ ዘይኽእል ልፍስፍስ ጉጅለ ብምዃኑ እዩ። እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ጉጅለ፣ ኣካይድኡ ክእርም እንተዘይተገይሩ፣ ናይ ግዘ ጉዳይ ምበር፣ ረብሓታት ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምሻጥ ዕላምኡ ምስ ኣሳኸዐ፣ ሽፋኑ ቀንጢጡ “ብልፅግና ፓርቲ፣ ጨንፈር ትግራይ” ዝብል ስም ሒዙ ከምዝመፅእ ከይተሓለመ ዝተፈትሐ እዩ። ንሱውን፣ ጉጅለ ጌታቸው ረዳ ዕድለኛ ኮይኑ እቲ ዝብህጎ “ብልፅግና ፓርቲ፣ ጨንፈር ትግራይ” ናይ ምዃን ሕልሙ እንተተሳኺዕሉ እዩ። ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ትግራይ ከሳኽዖም ዝተለሞም ዕላማታት ክሳብ ዘሳኽዕ እምበር ነዚ ጉጅለ ከም ማስቲካ ሓኽዩ ከምዝተፍኦ ዘጠራጥር የብሉን።
- ኣብይ ኣሕመድ፣ ወደብ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ከምዘለዎ ወሲኑ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናብዛ ሃገር ንዝበፅሑ መራሕቲ ሃገራትውን እዚ ባህጉ ክገልፅ ካብ ዝጅምር ፀኒሑ ኣሎ። ነገራት ከምዝሓሰቦም እንተኸይዶምሉ፣ ናይ ግዘ ጉዳይ እምበር እዚ ሕልሙ ተግባራዊ ከምዝገብር ዝጠራጠር እንተሃልዩ የዋህ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክልተ ዓመት ኵናት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅድሚት ክስለፍ ብምግባር ምሉእ ብምሉእ ክድምሰስ ገይሩዎ እዩ። ሰራዊት ኢትዮጵያ እንድሕር ተደምሲሱ፣ “ኣብይ ኣሕመድ እንታይ ሒዙ እዩ ዓሰብ ክመልስ ዝሓስብ ዘሎ” ኢልና እንተሓቲትና፣ መልሱ “ሰራዊት ትግራይ ሒዙ” ዝብል እዩ። ኣብይ ኣሕመድ፣ ነቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ፀቢብ ጉጅለ ተጥቒሙ ንህወሓት ካብ መሬት ትግራይ ክምሕው እንተኽኢሉ፣ እቲ ዝተረፈ መንእሰይ ትግራይ ዓሰብ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ዝተናወሐ ኵናት፣ ኣብዘይ መሬቱ ደሙ ከፍስስ ከም ዝግበር ምኢቲ ፐርሰንት ርግፀኛ ኮይንካ ምዝራብ ይከኣል።። ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝግበሩ ዝተፈላለዩ ምይይጣት ጠመተ ዘይተገበረሉ ዛዕባ እንተሃልዩ ኣብይ ኣሕመድ ንመንእሰይ ትግራይ ናብ ማሕረድቲ ኣቕሪቡ ወደብ ዓሰብ ክመልስ ዘለዎ ባህጊ እዩ። ኣብይ ኣሕመድ ንውድብ ህወሓት ምሒዩ፣ ምዕራብ ትግራይ ከይመለሰ እንተተሪፉ ውፅኢቱ ሕማቕ እዩ ምግላፅ ኢልካ ምግላፅ ይከኣል ይኸውን። እቲ ኣዕሪዩ ዝኸፍአ ኩነታት ግና ንሱ ኣይኮነን። እቲ ኣዕሪዩ ዝኸፍአ ኩነታት ዝፍጠር፣ ኣብይ ኣሕመድ ንውድብ ህወሓት ምሒዩ፣ ትግራይ ተሪፎምኒ ዝበለቶም ደቃ፣ ኣደ ትግራይ እናበኸየት ዓሰብ ከምልሱ ተባሂሉ ብኽሳዶም ተጎቲቶም እንትውሰዱ እዩ። ሓደ ሓደ መንእሰያት፣ “ህወሓት ትተኣለየልና ምበር ድሕሪኡ ትግራይ ራህዋ ክዓስላ እዩ” ክብሉ ይስምዑ። ኣነ ብውልቀይ ትምኒቶም ሓቂ እንተዝኾን ደስ ምበለኒ። ሓደ ሓደ መንእሰያት፣ ህወሓት ት ተኣለየልና ምበር ድሕሪኡ ትግራይ ራህዋ ክዓስላ እዩ ክብሉ ይስምዑ። ኣነ ብውልቀይ እዞም ሓደ ሓደ መንእሰያት ትምኒቶም ሓቂ እንተዝኾን ደስ ምበለኒ። እቲ ሓቂ ግና፣ ድሕሪ ምምሓው ወድብ ህወሓት፣ እንታይ ስዒቡ ከም ዝመፅእ ንምግማት ነብይ ምዃን ኣይድልን። መንእሰይ ዝርሸነላ፣ ብኽሳዱ ተጉቲቱ ናብ ወደብ ዓሰብ ዝውሰደላ ትግራይ ከምትኾን ዘጠራጥር የብሉን። እቲ ቕዱስ መፅሓፍ ከምዚ ይብል፣ “እቲ ሌባ ዝመፅእ ክሰርቕ፣ ክቐትል፣ ከዕኑ እምበር ከልምዕ ኣይኮነን”። ሰራዊት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን እንታይ ዓይነት ግፍዕታት ከምዝፈፀመ ንዓኻ ምንጋር ንቐባሪ ምርዳእ እዩሞ ምስ ዝሃለለ ምህላል ገዲፍካ ሕድ ሕድ ውሳነታካ ብዓይኒ ረብሓኻን ረብሓ ትግራይን ጥራይ ክትምዝን እላወበካ። ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ፣ ንህወሓት ክትድግፍን ክትቃወምን መሰልካ እዩ። ብኣብይ ኣሕመድ ዝምወሉ ውልቀ ሰባት፣ ንህወሓት ንእለ ኢሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ቅስቀሳ እንትገብሩ ግና ንዓኻን ንህዝብኻን ናብ ዘይትወፆ ሽግር ከእትው ላሕ ዝብሉ ዘለው ብምዃኖም ክትነቕሐሎም ይግባእ እብል። ኣብይ ኣሕመድ፣ ዓሰብ ንምምላስ፣ ምስ ኤርትራ ከካይዶ ኣብ ዝሓስቦ ኵናት ወሲዱ ክጥጥቐካ ይትልም ምህላው ከም እኒ ኣሉላ ሰለሞን ዝበሉ ዕሱባት ኣይነግሩኻን። ኣነ ግና ብዛዕባ ድሕንነትካ ከም ዝጭነቕ ሓደ ትግራዋይ፣ ነገራት ብረብሓኻን ብረብሓ ትግራይን ክትመዝኖም ደጊመ የተሓሳስበካ። ኣብይ ኣሕመድ ብተመወልቱ ኣቢሉ፣ መንእሰይ ትግራይ ብዓዲ ክከፋፈል ከማኡውን ኣንፃር ወታደራዊ መራሕቱ ክለዓል ኣብ ምስራሕ ይርከብ። እዞም ተመወልቲ፣ ተጋሩ ብምዃኖም ጥራይ ንትግራይ ዝሓሰቡ ክመስለካ ይኽእል እዩ። ኣሉላ ሰሎሞንን ተመወልቲ መሓዙቱን፣ ንወታደራዊ መራሕቲ ትግራይ “ምልሻታት” ኢሎም ከናሽው እንትፍትኑ ወይ ድማ ቁሸት እናፀርሑ ክትከፋፈል እንትፅዕሩ፣ ድሌት መወልቶም ምበር ንረብሓ መንእሰይ ተገዲሶም ብዘይምዃኖም ዓገብ ክትብሎም ይግባእ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንሰራዊት ትግራይን መራሕቱን ካብ ምንቁሻሽ ትቖጠብ። ነግራት ናብይ ከም ዘምርሑ ኣብዘይፍለጥሉ እዋን፣ ትግራይ ሓድነቱ ዘስጠመን ዘይትኸፋፈለን ሰራዊትን ኣመራርሓን ክህልዋ ግድን እዩ። ኣንፃር እዚ ምስራሕ ድማ ዓርሰ ቕትለት ምፍፃም ማለት ምዃኑ ተረዳእ።
ኣብ መወዳእታ፣ ከም እኒ ኣሉላ ሰለሞን ዝበሉ ብመሓውር ኣብይ ኣሕመድ ዝተመወሉ ባንዳታት፣ ንመራሕቲ ሰራዊት ትግራይ “ባህላዊ ጀነራላት”፣ ከምኡ’ውን ምልሻታት ኢሎም ከናሽው ከምዝፈተኑ ገሊፀ ነይረ። ንምዝኽኻር ዝኣክል፣ እቶም ንሳቶም “professional” ኢሎም ዝፅውዕዎም ጀነራላት ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ትግራይ ካብ ዝፈፀምዎም ግፍዕታ እቶም ሒደት ከዘኻኽረኩም፣እዞም ኣብዚ ስእሊ እንሪኦም ዘለና ዝሞቱ መናእሰያት፣ ብዕለት ሚያዝያ 2/2013 ዓ/ም (ቀዳም መዓልቲ) ካብ ቁሸት ሰበወራ (ጣቢያ ዳዕረዒታ ገርዒጋ)፣ ዝጠነሰት ሰበይቲ ተሸኪሞም ኣብ ዓዲ ጉደም ናብ ዝርከብ ክሊኒክ እንትኸዱ፣ ማይ ሃይዲ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ፍሉይ ቦታ እንትበፅሑ፣ ብሰራዊት ኣብይ ኣሕመድ ከም ተመን ብእምኒ ተቐጥቂጦም ዝተቐተሉ ተጋሩ እዮም።

እዛ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ህፃን ሳምራዊት ትበሃል፣ ወታደራት ኣብይ ኣሕመድ ንቤተሰባ ቀቲሎም፣ ኣብ ኢዳ ብጥይት ወቒዖም፣ ካራ ብምጥቃም ድማ ካብ እግራ ስጋ ቖሪፆም ብምውሳድ ንስቓይ ኽትሳቐ ገዲፎማ ዝኸዱ እዮም።

እዙይ ድማ ሚልዮን ደሳልኝ ይበሃል። ኣባል ፌደራል ፖሊስ ዝነበረ እንትኾን ወታደራት ኣብይ ኣሕመድ መታወቂያ ከርእይ ሓቲቶሞ። ሚልዮንን እቲ ወታደርን ቆፃሪኦም ፌደራል መንግስቲ ዋላ እንተነበረ፣ መታወቅያኡ ግና ትግራዋይ ምዃኑ ዝሕብር ብምንባሩ ቶኵሶምሉ ከምዝኸዱ ሓው ይዛረብ።

እዙይ ድማ ወዲ 26 ዓመት ዲያቆን እንትኾን ኣብረሃ ይበሃል። ንሱን መሓዝኡን ካብ ቤተ ክርስትያን እናተመልሱ ከለው ወታደራት ኣብይ ኣሕመድ ረኸብዎም። ክንብርከኹ ምስ ገበርዎም፣ ኣፍኩም ክፈቱ በሉዎም። ኣፎም ምስ ከፈቱ ድማ ናብ ኣፎም ውሽጢ ተኮስሎም። መዛሓ ኣብረሃ ሽዑ ንሽዑ ዝሞተ እንትመውት፣ ኣብረሃ ግና ብተኣምር ተርፉ ኣብ ሕክምና ዝነበረ እንትኾን መሊሱ ክዛረብ ከምዘይኽእል ሓኪማት ስግኣቶም ገሊፆም ነይሮም።
ካብ ሓጎስ መብራህቱ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ኣሜሪካ
ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ትግራይ!



Leave a Reply