Tag: #መናእሰይ ትግራይ
-
ንመናእሰይ ትግራይ ዝቐረበ ለበዋ….

ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ፣ ብመጀመርታ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብፃሕኻ፥ ምሕፅንታ ንመንእሰይ ትግራይ፥ ብልፅግናን ህግደፍን ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ብዘካየድዎ፣ ዕላምኡ ዘርኢ ምጥፋእ ዝገበረ ኲናት፣ ንብረትካ ዘሪፎም፣ ፋብሪካታት ኣባዲሞም፣ ኣሓትካን ኣዴታትካን ደፊሮም ኮታስ ሰፍ ዘይብል ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ ገዲፎምልካ ከይዶም እዮም። ብምዃኑ’ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከቢድ ስራሕ ስእነትን ንሱ ዝወለዶ ከርፋሕ ናብራን ተስፋ ምቁራፅን ከም ትርከብ ኩልና…

